Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ ደቡብ ጀርመን ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ

2020-05-31 16:58:42 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2100 times
Rate this item
(0 votes)

 ብዕለት 29 ጉንበት 2020 ኣባላት ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ደቡብ ጀርመን ብመራኸቢ ብዙሃን ስሩዕ ኣኼብኦም ኣካይዶም። ኣኼባ ኣብ ሳምንቲ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራን ዒድ ኣል ፈጥርን ይካየድ ስለዝነበረ፡ ነዚ ድርብ በዓላት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ኩለንተናዊ ሰናይ ምንዮትን ድሌትን፡ ኣኼበኛታት ኣካሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ምስዚ ብምትሓሓዝ ኣኼባ ጨንፈር፣ ነቲ ብመራሕቲ ተቓውምቲ ውድባትን ነቲ ስርዓት ብዝነቐፉ  ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን፣ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ከቢት ግህሰት ዝኹንን መልእኽትታቶም ብተገዳስነት ተዓዚቦም።

ብተወሳኺ ብሕግን ቅዋምን ዝግዛእ ህዝባዊ ባይቶን፣ ንቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ንምትካል ኣብዝግበር ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ክቃለሱ ምዃኖም ደጊሞም ቃሎም ኣሐዲሶም።  ህዝብን ስራዊትን ኤርትራ’ውን ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ተሳትፈኦም ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዖም። ነዚ ብዝተፈላለዩ ሰበት ዝቐረበ ሓደ ዓይነት ህርመትን ዜማን ዘለዎ ቅኒት ንምውህሃድ ድማ ከቢድ ጻዕርን ብዙሕ ስራሕን ከምዚሓትት ዘይዝንጋዕ ስለዝኮነ፣ እቶም ነዚ ቁዱስ ዓላማ ንምዕዋት ትጽዕሩ ኤርትራውያን ኣምላኽ ይሓግዝኩም ብምባል ኣብቲ  ዝተስርዐ መደባት ኣትዮም።

ናይ ርክብ መስኖ፡ ንርክብን ንጥፈታትን ጨንፈር ብዝምልከት ኩልና ከምእንግነቦ ነቲ ብኣካል ተራኺብካ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት፣ ብሰሪ Covid 19 ምክያዱ ስለዘይካኣል መራኸቢ ብዙሃን ከም ኣማራጽን ኣድላይን ኣገባብን ብምርኣይ፣ ክሳብ ናይዚ ተላባዒ ሕማም ኩነታት ዝማሓየሽ መራኸቢ ብዙሃን ብንጥፈት ንኽጥቀምሎም ኣኼበኛት ወሲኖም። ካልእ ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ደምበ ፍትሒ ዝምድነኦም ምሕያልን ምዕማቕን ከምዘድሊ ተማያይጦምን ንዘለናዮ መድረኽ ብዝገጥም ናይ ርኽክብ መስኖ ኣንጻር ምልኪ ክካየድ ዝግባኦ ዕማማት ንኸይበኩር ኣገንዚቦም። ኣባልት ጨንፈር፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ብሓፈሻ ኣብ ምምሕልላፍ ጸብጻብ ንዘጋጥሙ ንኡሳት ሕጽረታት ኣወጋግኖኦምን  ንምምሕያሶም ክውሰዱ ዘለዎም  ተግባራዊ ስጉምትታትን ዘትዮም። ከምኡውን ነቲ ብመርሒነት ዞባ ኣውረጳን ኣካያዲት ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ብብመዕልቱ ዝተኻየደ ናይ ምምኽኻር ኣኼባታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ከመይነት ናይ ኣብተግባር ኣዋዓዕለኡ ተረዳዲኦም።

ኣብ መጨረሽታ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራን ዝተበጽሕ ናይ ምጽንባር ስምምዕን ከምኡውን ምስ ካልኦት ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶም ዘሎ ዘተታት ኣመልኪቶም፡ ብጻይ ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመንን ብጸይቲ ትዕበ ተኪኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ ኣኼብ ብዕግበት ተደምዲሙ።

ንቕዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!  

                                   

Last modified on Sunday, 31 May 2020 19:05