Print this page

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንሕብረተሰብ ዓለምን ንህዝቦምን ቃልሶም ኣንጻር ኮቪድ-19  ከዛይዱ ተማሕጺኖም

2020-04-07 08:31:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2496 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ናብ ዝርከቡ ዜጋታቶምን ናይ ሓባር መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብዚ መጸዋኦታኦም ኣብዚ ኣንጻር ሓደገኛን ዝያዳ ዘስፋሕፍሕን ኮይንሉ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብሰንኪቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ካብ ካለኦት ዝያዳ ኤርትራውያን ክሃሲ ዝኽእል ብምጥቃ ለበዳ ኮረኖ ቫይረስ ንውግእ ዝያዳ ምድላው ክገብሩንን ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱን ጸዊዑ። 

ነዚ መልእኽቲ ብሓባር ዘመሓላለፉ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ውድብ ሕድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓለ)ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)እዮም።

እቲ ብ31 መጋቢት 2020 ዝወጸ ሓባራዊ መጸዋዕታ፡ ኣብቲ ናብ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ “ነቲ ሓደገኛ ኩነታት ብጥንቃቐ ኣቕልብሉ” ብዝብል፡ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲን ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስን ተላኢኹ። ናይዚ መልእኽቲ ቅዳሕ ከኣ ናብ ካለኦት ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበሙለን ናብ ዘለዋ  ሃገራት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናብ መንግስታት ሱዳን ኢትዮጵያን እስራኤልን ተላኢኹ።

እዚ ምሕጽንታ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ዘዘኻኸሮ፡ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ፡ ዘቤታዊ ማሕበረ-ኮማዊ ትካላት ዘየለ፡ ገበርቲ ሰናይ፡ ካብ ዝምስረታዊ ነዊሕ ዕድመ ዝነበረን ሃይማኖታዊ ናይ ረዲአት ትካላትን ናይ ማሕበራዊ ድሕንነት መርበባትን ብፍሉይ ሜላ ከም ዝዓነዋ ጠቒሱ።

ኣብቲ ብ1 ማዝያ 2020  ብትግርኛን ዓረብን ተዳልዩ ብቐጥታ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከኣ፡ ብፍላይ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን መደበራት ስደተኛታትን  ንምድሓት ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ምግባር ዝምልከት እዩ።

እቲ መልእኽቲ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ናይቲ ተላጋቢ ሕማምን ኣብቲ ኤርትራውያን ተዳጒነምሉ ዘለዉ ዝተጻበበ ኣብያተ-ማእሰርትን መንእሰያት ኣብ ጉረባብቲ ሃገራት ተኣኪበምሉ ዘለዉ መደበራትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ብዘለዉ ናይ ጥዕና ክኢላታትን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ንጡፋት ምስ ናይ ጥዕና ክኢላታት ብምትሕብባር ብዛዓብቲ ሕማም ይህብዎ ንዘለዉ  መምርሕታትን ምኽርን ክከታተል ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፉ፡ 

  1. ኩሉ ኤርትራዊ በዚ ተላጋቢ ሕማም ብዘየቃልዖ ኣገባብ ክንቀሳቐስ።
  2. ነቲ ልሙድ መታለሊ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ወፈራ ብትኹረት ምክትታል።
  3. ንኣሕዋት ህዝብታትን ሓይልታትን፡ ስርዓት ኤርትራ እሱራት ክፈትሕን ኣብ ግዱድ ውትህድርና ዘለዉ መንእሰያት ከፋኑን ሓያል ተጽዕኖ ንክገብሩ ተሪር ጥርዓን ምቕራብ።
  4. ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ብክልኻልን ብሓባር፡ ብዛዕባቲ ህዝቢ ካብ ባንክ ካብ 5ሺሕ ናቕፋ (300 ዶላር) ንላዕሊ ከየውጽእ ተነቢርዎ ዘሎ እገዳ ክሓቱ።
  5. ኣብ ርእሲ እዚ፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብሚልዮናት ዝግመት ካብ ሽያጥ ማዕድናት ዝተኣከበ፡ ካብ ኣገልግሎት ወደባት ዝተረኽበን ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝተለገሰን ገንዘብ ኣብ ምኽልኻልዚ ሓያል ተላጋቢ ሕማም ክውዕል ክሓቱ። 

ህጹጽ ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ!

ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ

ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ

ቅዳሕ፡-

ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት

31 መጋቢት 2020

ጉዳይ፡-

ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ

ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ

ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም

 ንሕና ፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምዃኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ፣

እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና  ቫይሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን፣ ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባን፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንዓና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን።

ብእምነትና፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ፣ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታዊ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።  

 ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ፣ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።  

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘይሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላት፣ ብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።

ብምዃኑ እምበኣር “ኮቪድ-19” ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-  

  • ኣብ’ዘን ኤርትራውያን ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ቦታታት እኩል ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት እኹል ቀረባት ናይ ማይ፡ መሕጸቢ ሳምናታት፡ ጸረ-ለኽፊ ዝዀኑ ፈሰስቲ፡ “ጓንቲ”፡ መሸፈኒ ኣፍን ንጽርየት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • እቶም ቦታዊ ናይ ክንክን ጥዕና መርበባትን ትካላትን በዚ እከይን ሓደገኛ ኮሮና ቫይሩስ ዝተለኽፉን ዘይተለኽፉን መፍለጢ ዝኸውን ናይ መመርመሪናውትን መሳለጢታትን ከም ዝህልዎም ምርግጋጽ፣
  • ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ መደበር ስደተኛታትንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሓደገኛ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መቕዘፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ፣

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።

ኣኽበርትኹም፡-

ኣቦ-መንበራት፣

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓደለ)
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ(ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)
Last modified on Tuesday, 07 April 2020 10:40