Print this page

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሎሚ’ውን ንኤርትራ ዝምልከት ግናይ ጸብጻብ ቀሪብሉ

2020-02-27 06:53:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3244 times
Rate this item
(0 votes)

ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ብ26 ለካቲት 2020 ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኣቕሪበን። ንሰን ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ ክገብር ፈቓደኛ ከምዘየለ ኣብሪሀን።

ንሰን ኣተሓሒዘን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ምህላዎም ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ለውጢ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ ኢለን።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ዳርጋ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ሓላፍነተን ካብ ዝርከባ፡ መንግስቲ ኤርትራ እዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎም ክትግበሩ ዝበለኦም ሓሙሽተ ነጥብታት ኣቕሪበን ነይረን።

  1. ኣብ ልዕልና ሕጋዊ ምሕደራ ለውጢ ምምጻእ
  2. ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጢ ምትእትታው
  3. ኣብ ሲቪላዊ ናጽነት ለውጢ ምምጻእ
  4. ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ማዕርነትን ዕቤት ምምጻእ
  5. ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳሉ ኩነታት ምጥጣሕ።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብዚ ናይ ቃል ጸብጻበን፡ ኤርትራ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ከተርኢ ከም ዘይከኣለት ኣስሚረናሉ። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ኣብተን ቅድሚአን ዝነበራ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዝገበራ ዝተራእየ፡ ንዓአን እውን ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ከምዘይተፈቐደለን ሓቢረን

ንሰን መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ሃይማኖታዊ እምነታት ምጭቋኑ ከም ዝቕጸለን ኣብያተ- ትምህርተንን ሕክምናዊ ትካላተንን ከም ዝወረሰን ገሊጸን። ድሕሪቲ ገለጸአን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብዚ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ዝተኻየደ ምይይጥ 22 ካብ ኣባላ ሃገራትን 4 ዓለመ ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ርኢቶ ብምሃብ ተሳቲፈን። ሕብረት ኤውሮጳን ካለኦት ተዛረብትን ኣብ ባህሪ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ለውጢ ኣይረአዩን። ኣወስትራልያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ዝቐረበሉ 131 ለበዋታት ዋላ ሓንቲ ናይ ምትግባር ፈተነ ዘይምክያዱ ዘይዕግበታ ኣመዝጊባ። ቫቲካን ቀጻሊ ምምይያጥ ከምዘድሊ ጠቒሳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግብረሰናይ ትካላት ካብ ምርሳይ ክዕቀብ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። ጀርመን ከኣ ኣብ ኤርትራ ሲቪላዊ ዕድላት ይጸብብ ከም ዘሎ ኣመልኪታ። ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ናይተን ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ናይ ሓላፍነት ግዜ ምንዋሕ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እቲ ልሙድ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝመርሖ ልኡኽ ኤርትራ፡ ልሙድ ናይ ክሕደትን ሓሶትን ቃሉ ኣቕሪቡ፡ ካብ ናይ ቨንዝዋላ፡ ኩባ፡ ራሻን ቻይናን ልኡኻት ከኣ ደገፍ ረኺቡ።

ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝካየድ መበል 44 ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ምሉእ ጸብጻበን ክቕርባ እየን። ኣብዚ ርክብዚ ጉዳየን ተራእዩ ልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኮይነን ክቕጽላ ዝለዓለ ዕድል ኣሎ።

Last modified on Thursday, 27 February 2020 07:56