Print this page

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፣ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-02-23 08:48:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2475 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ22 ለካቲት 2020 ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ እዚ ፍሉይ ኣኼባ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣቕሪቡ፡ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳ ሓቢሩ።

ኣብዚ ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባ ካብ ዝተዘርበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ሰዲህኤ ኣብ ከም ተበግሶ ሚኒሶታ፡ ዘተ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ለውጥን ዝኸዶ ዘሎን ንመጻኢ ዝቕጽለሉ ኣገባብን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ነዚ ዕማም ከሰላስሉ ዝተመዘዙ ኣባላት ባይቶ ብዛዕባኡ ክሳብ ሕጂ በጺሐምዎ ዘለዉ ደረጃ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቦም። ነቲ መብርሂ ዝተከታተለ ኣኼባ፡ ሰዲህኤ ሓደ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት መድረኽ ወይ ጽላል ክሳብ ዝረጋገጽ ጻዕሩ ኣሕይሉ ክቕጽለሉ ምዃኑ መዚኑ።

እቲ ካልእ ኣኼባ ባይቶ ዝተዛረበሉ ብሓፈሻ ኣብዚ ከባብና ዝምዕብል ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ተርእዮታት ብዝምልት ነዚ ዛዕባዚ ክከታተሉ ብዝጸንሑ ኣባላት ባይቶ ዝቐረበ ሰፊሕ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ፡ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ከኣ ኣመላኺቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ዓውዲ፡ መቆራቖሲ ኮይኖም ዘለዉ ዛዕባታት ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሰ እዚ ኣኼባ፣ ዝያዳ ዘተኮረሉ ነቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ተርእዮ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ ዝያዳ ተዛሪብሉ። ባይቶ ኣብዚ ዛዕባዚ ነቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይዋገ ወገን ኢትዮጵያ ከም ዘተባብዕን ምስኡ ዝህልዎ ዝምድና ከደልድል ከም ዝግበኦን ኣቃሊሑ።

ኣኼባ ኢሳያስ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ እንዳሃደመ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ከም ዘሎ መዚኑ። ብዛዕባ ነዚ ጦሎቕሎቑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ግብረ- መስልሲ ከኣ ዳህሲሱ። እዚ ተግባር ኢሳያስ ህዝቢ ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ብምምልካ ህዝቢ ባዕሉ ክቃለሶ ከም ዝግባኦ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ጉዳይ ምድላው መጻኢ ፈስቲቫልን ኣብ ኣባላት ሰልፊ ክግበር ተታሒዙ መድረኻዊ ጐስጓስን ብዝምልከት እውን ከም ሓበሬታ ብዝርዝር ቀሪቡ። ፍሉይ ኣኼባ ሰልፊ፡ ኣባላት ሰዲህኤን ተደግፍቱን ክሳብ ሕጂ ንዘበርከትዎ ንኢዱ፡ ንመጻኢ እውን ኣበርክተኦም ከዛኡዱ ጸዊዑ።

ብመሰረት ቕዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ ጉባአ ዝለዓለ ስልጣን ኮይኑ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ፡ ከም ኣድላይነቱ ከኣ ፍሉይ ሓበሬታዊ ኣኼባታት የካይድ።

Last modified on Sunday, 23 February 2020 09:51