Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-02-04 18:36:30 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 1941 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 02 ለካቲት 2020 ኣብ ፍራክፎርትን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ጨንፈር ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣሻቓሊ ዝኾነ ህልዊ ኲነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከቱ ዓበይትን ኣገደስትን  ካብ ዝኮኑ፡

  • ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመንን ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕናኖን ዝፈትሮ ዘሎ ጸገማትን፣ ንምስጋሩ ክግበር ዘለዎ ጻዕርታትን፡
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሳናቡእ/ኮሮናን ንምክልኻሉ ክግበር ዝግባኦ መባእታዊ ጥንቓቀን፡
  • ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኮነ ኣብ ህዝብና ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋታትን፡
  • ዘይእዉጅ ስምምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢሳያስን ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ፈጢርዎ ዘሎ ናብ ውግእ ዘምርሕ ዝመስል ሻቕሎትን ሳዕብየናቱን፡
  • ናይ ኢሳያስ ውጥም ቅልቅል ዝፈጠሮ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ናይ ገለ ኢትዮጵያውያን ወስታታትን፡ ምስዋድ ኣብ ማዕከናት ዜና ናይቶም ካብቀደሙ‘ውን ነጻነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣካላትን፡
  • ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋትን ዝምድናታቶም ንምድልዳል ዝካየድ ዘሎ ጽዕርታትን ብሓደ ሽነኽ፣ ምስ ኩሎም ደገፍቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኮኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክህልዎም ዝድለ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ዝምድናን ምድግጋፍ ን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፣ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፣ ኣኼባ ሰፊሕን ኣገዳስን ዝርርብ ካብ ዝገብረሎም ነጥብታት ምንባሮም ይፍለጥ።

Branch Frankfurt 02.02.2020

ብዘይካዚ፣ ዕላማን ትሕዝቶን ናይቲ ንዕለት 13 ለካቲት 2020 ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርትን፣ ከምኡውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብዝተላዕለ መስርሕ  ሓባራዊ ስራሕ መሰረት ዝገበረ፣ ኣብ ዕለት 22.02.2020 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣባላት ኩለን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን እውን ብዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ሓበሬታዊ መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ተደምዲሙ።

Last modified on Tuesday, 04 February 2020 19:42