Print this page

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ብምዝኽኻር ናብ ሕኤ ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ሰዲዱ

2019-12-24 10:28:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4094 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ23 ታሕሳስ 2019 ናብ ሕብረቲ ኤውሮጳ (ሕኤ) ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ እቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ጀሚሩ ዘይወደኦ ስራሕ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሩ።  

ኣቦመንበር ተስፋይ  ኣብዚ መልእኽቱ፡ ነተን ሓዳስ ፕረሲደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኮይነን ዝተመርጻ ጀርመናዊት ወ/ሮ ኡርሱላ ቮን ለየን እንኳዕ ኣሕጐሰክን ኢሉ። ኣስዒቡ ከኣ ርሑስ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እንደጋና ኣጀንዳ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነሉ ሓድሽ ዓመት ክኾነለን ተመንዩ።

መልእኽቲ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብቅዳሕ ናብ ወ/ሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ ምክትል ፕረሲደንትን ተወካሊት ወጻኢ ጉዳያትን ጸጥታዊ ፖሊስን ኮሚሽን ሕብረት ኤሮጳ እውን ተላኢኹ። ኣብዚ መልእኽቲ  ንሓደሓደ ናይ ቅድም ኣበርክቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ንኢዱ፡ እንተኾነ ኣብ ርክብ ሕብረት ኤውሮጳን ጨቋኒ ስርዓት  ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐየረ ከምዘየለ ጠቒሱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራቱን፡ ኤርትራውያን በቲ ኣብ ኤርትራ ጨቋኒ ስርዓት ንክቕጽል ብኣኣቶም ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ዝወሃብ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ይሻቐሉ ከም ዘለዉ ከቕልብሉ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብናይቲ ሕብረት ኣንበሳደር ኣብ ኣስመራ ኣቶ ጋቦር ኢክሎዲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ሓገዝ ክወሃብ ቃለ ከም ዝተኣትወሉ ዝሕብር ዜና ዘንበቡ ኤርትራውያን ከም ዝሓዘኑ ገሊጹ።

እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ ብወገን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምስ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሎ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ኣካላት ሰላም፡ ድሕነትን ምዕብልናን ከምዘይኮኑ ዘረጋገጹ ኣካላት ዝግበር ምቅርራብን ምድንጋጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣስፊሩ።

መልእኽቲ ሰዲህኤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነትን ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ምስቓይ ህዝብን ኣጉሊሑ ብምጥቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል ምትሕግጋዝ ከቋርጽ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መዘክር “ንሕና ሃገርና ዝሰኣና፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡  ሕብረት ኤውሮጳ ጌና ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ተጽዕኖኡ ብምሕያል ክተሓጋገዘና ተስፋ ንገብር” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣስዒቡ ከኣ “ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተተግበረ፡ ውሳነታትን ለበዋታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ናይቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ክበጽሕ ዘይተፈቕደሉ፡ ተኸታታሊ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራን ኣብ ምትግባር ስጉምቲ ይውሰድ” ብዝብል ሓሳብ ደምዲሙ።

Last modified on Tuesday, 24 December 2019 11:33