Print this page

ዝምድና  ኤርትራን ኢትዮጵያን

2019-11-26 09:05:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2897 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ብ25 ሕዳር 2019 ብዛዕባ ስራሓት ሚኒስትርኦም ናብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረብዎ ብግእዝ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ 1ይ ርብዒ ዓመት ጸብጻብ፣ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ዝምድና፡ ከምቲ ዝተሓሰቦን ዝተጸበይዎን ከምዘይሰለጠ ሓቢሮም።

ንሶም ኣብ መብርሂኦም ምስ ኤርትራ ክግበር ዝግበኦ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ከም ምዃኑ መጠን፡ ብዓለም ለኸ ምዕቀኒ፡ ደረጃኡ ዝሓለወ፡ ግልጽነት ዘለዎን ትካላውን ክኸውን ከም ዝገበኦ ገሊጾም። ኣብኡ ንምብጻሕ ዝተታሕዘ መንገዲ ካብ ዝተጸብይዎ ንታሕቲ ምህላዉ ከኣ ሓቢሮም። እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ብዘይተሓበረ፡ ግሉጽነት ዝጐደሎ፡ ትካላዊ መልክዕ ዘይሓዘን ብናቕፋን ብርን ክሰርሕ ዝሓስብን ድሌት ዝጻረር እዩ።

እዚ ካብ ግዝያዊ ዓውዓው ሓሊፉ፡ ኣብ መሬት ብዝድህሰስ ብግብሪ ዘይተራእየ፡ ኣብ ምኽፋትን ምዕጻውን ዶባት ጥራይ ዘኹድድ ዝምድና ክልቴን ሃገራት፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ግዜ ዝለዓል ክኸውን እንከሎ ብወገን ኤርትራ ግና ተላዒሉ ዘይፈልጥ እዩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ጉጅለ ህግደፍ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ክፍሊት ክሰርሕ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ፡ መራክብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባት ኤርትራ ምእታው ከም ዘቋረጻ ቅድሚ ሕጂ ምሕባርና ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ነፋሪት ቲኬት ንምግዛእ ብናቕፋ ዝነበረ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ግና፡ ብጠለብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዶላር ኮይኑ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ። ዶላር ኣብ ዘይፍቀድ ሃገር ብዶላር ምጥቃም ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ድማ ርዱእ እዩ።

Last modified on Tuesday, 26 November 2019 10:08