Print this page

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ በዅሪ ኣኼባኡ ብጨናፍር ኣውስትራልያ ፈሊሙ

2019-10-27 23:02:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4227 times
Rate this item
(0 votes)

28 ጥቅምቲ 2019

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ድሕሪ 3ይ ሓድነታውን ጕባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ከተማታት መልበርን፡ ፐርስ፡ ብሪስበይንን ምስ ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ በዅሪ ኣኼባኡ ምስ ጨናፍር ሰዲህኤ ብሳይበር ኣካይዱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተዛረበሎም ዛዕባታት መስርሕ ሓድነት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን (ሃድኤ-ሕድሪ) ሰዲህኤን፤ ፖለቲካዊ ውሳኔታት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፤ ኣቋቝማ ቤት ጽሕፈት ውደባን ዕማማቱን ዝብሉ ነበሩ።

3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ዕዉት ኰይኑ ንኽወጽእ ካብ ዝሓገዙ ረቛሕቲ ድማ፡>-

  1. ብሽማግለታት ዘተ ክልቲኡ ውድባት እተኻየደ ጽፉፍ ናይ ልዝብ መስርሕ፤
  2. ብሓባራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓባራዊት ሓጻዪት ሽማግለ እተገብረ ዕቱብ ምድላዋት፤
  3. መሪሕነታትን መሰረታትን ክልቲኡ ውድባት ዝተጻወትዎ ሃናጺ ግደን ዘበርከትዎ ኣወንታዊ ተሳትፎን፤
  4. ነፍስወከፍ ውድብ ኣቐዲሙ ንተመክሮታቱ ዝገምገመሉ ዋዕላታት ምድላዉ፤
  5. ካብ ኣባላትን ደገፍትን ክልቲኡ ውድባት ብፍላይ ድማ ካብ መንእሰያት ዝተበርከተ ገንዘባዊ ወፈያታት፤
  6. ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪ-ሳትን ንውጽኢት ጕባኤ ኣብ ምንጽብራቕ ውጽኢት ጉባኤ ዝገበርዎ ኣበርክት፤
  7. ልዕሊ ኵሉ ድማ ንሓድነት ዝነበረ ድሌትን ባህግን ክልቲኡ ውድባትና…ወዘተ ምንባሩ ጠቒሱ።

ቀጺሉ ነቲ 12 ነጥብታት ዝሓዘለ፡ ንጕዳይ ሓድነት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ልዑላውነት፡ ሰብእዊ መሰላት፡ ህዝባዊ ምንስቅስቓስ “ይኣክል”፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጕዳይ ስደተኛታት፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ዘይንጹር ውዕላትን ዝምልከት ጕባኤ ዘጽደቖም ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። (ዝርዝራቱ ኣብ ሓርነት.ኦርግ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ርእስ’ዚ ኣብ መንጐ ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባትን ምትሕብባራትን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ ከም ኣብነት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰዲህኤ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክባትን ንልዝብ ዘርኣይዎ ድልውነትን ጠቒሱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣቋቕማን ናይ ሓደ ዓመት ዕማማትን መግለጺ ኣቕሪቡ። ነዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ንምስላጥ ድማ፡ እተን ጨናፍር ብመሰረት ቅዋም 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ዳግመ-ስርርዕ ክገብራ መምሪሒ ሂቡ።

ብድሕር’ዚ ኣኼበኛታት ክበርሃሎም ንዝደልይዎ ጕዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ከምኡ’ውን ንዕብየትን ሓያልነትን ሰልፍን ደምበ ተቓውሞን ይሕግዙ ኢዮም ዝበልዎም ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

Last modified on Monday, 28 October 2019 00:16