Print this page

ፍሉጣት ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ስዊስ ኣብ ሰልፊ ኤርትራውያን  ጀነቫ ቃሎም ኣስሚዖም

2019-10-05 09:59:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3018 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያን ብ4 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ጀነቫ፡ ነቶም ኣብ ሊቢያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ካለኦት ዜጋታትን ስደተኛታት ዝምልከት ስጉምቲ ንክውሰድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዚ ሰልፊ ክልተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ስዊዘርላንድ ተሳቲፎም ነቲ ኤውሮጳ ማዕጾኣ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት ከይትዓጽዎን ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሊብያውያን ገበነኛታትን ከምኡ እውን ምስ ሊብያውያን ሓለፍቲ ዘለዋ ዝምድና ከተቋርጽን ዝጽውዕ ናይ ኤርትራውያን ሰልፊ  ዘይተገደብ ደገፎም ገሊጾም።

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 1

ኣቶ ካርሎ ዞማሩጋ ፕረሲደንት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኮሚሽን ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገራዊ ፓርላማ ስዊስ በርን ወይዘሮ ዮሰሊን ሃለር ኣብ ዝተሓደሰ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነጥፋን ኣባል ፓርላማን ንጸጋማዊ ምሕዝነት ጀነቫ  ዝውክላን ነቲ መልእኽቲ ፍትሒ ናይ ዝደልዩ ኤርትራውያን ናብ ላዕለዎት ወሰንቲ ኣካላት ስዊዘርላንድ  ከም ዘብጽሕዎ ቃል ኣትዮም።  

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 2

እዞም ኤርትራውያን ሓያል ቃላት ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘለ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ እንተላይ ኣብቲ ውሕስነት ዘየብሉ መደበራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ብምጥቃስ ንኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት ኣረኪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጀነቫ ኣኼባኡ ዘካይድ ዘሎ፡ ባይቶ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይቶም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ስጉምቲ ንክወስድ ክሓታሎም ጸዊዖም። እቲ መልእኽቲ ግዳያት ሊቢያ ምስ ሬሳታት ይነብሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ነቲ ዘሰቅቕ፡ ስቓይን ዓመጽን ዘርኢ ጭካነ ይዝርግሐኦ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።

እዞም ኤርትራውያን ሰልፈኛታት፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛ ናይ ምጥያስ እስትራተጅአን ዳግመ-ርኢቶ ክገብራሉን ክቕይረኦን፡ ዝያዳ ብህጹጽ ድማ ነቲ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ጀሚረነኦ ዝነበራ ናይ ዳህሳስን ምድሓንን ስርሒት ክቕጽልኦ ጸዊዖም።

ተሳተፍቲ ናይዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኮይኖም ልዕሊ 300 ካብ ኣውራጃታት ጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ዝመጹ ሰባት ነይሮም። ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ፈቨን ገደዎን ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሰልፊ ብትግሃት ዝመርሕዎ ነይራ።

Last modified on Saturday, 05 October 2019 12:13