Print this page

ሽወደናውያን ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2019 ተሳቲፎም

2019-08-11 19:25:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2571 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ኤርትራውያን እውን፡ ሽወደናውያን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣዕሩኽ ኤርትራ ተሳቲፈምዎ። እዞም ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራ፡ ሽወደናውያን፡ ወዲ 94 ዓመት ነባር ጋዜጠኛ ኣብ 1960ታት ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝበጽሑ ቦ ብጀልፍቨንስታንን፡ ነቲ ጉዕዞ ኣብ 1970ታት ዝተጸንበረኦን ብተደጋጋሚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝበጸሓ ክርስቲና ብጆርክን እዮም። እዞም ሽወደናውያን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክመላለሱ እንከለዉ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝውዕል ብዙሕ ሃገዛት የቕርቡ ነይሮም። 

ክርስቲና ኣብቲ ናይ 3 ነሃሰ 2019 ዓውደ-ዘተ ፈስቲቫል፡ ብስመንን ብስም ቦን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝኽርን ትዝታን ዘንጸባርቐ መደረ ኣስሚዐን። ኣብቲ ዘረባአን “ሎሚ ኤርትራ ናጻ ሃገር እያ፡ እንተኾነ እታ ክትከውን ዝግበኣ ዝነበረት ኤርትራ ኣይኮነትን” ኢለን። ኣተሓሒዘን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምእንቲ መሰሉ ተላዒሉ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ከወግዶ እሞ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ኣግሂዱ፡ ነቶም ኣንጻሩ ውዲት ዝኣልሙን ጠቕሞም ዘቐድሙን ከሕፍሮም ምዃኑ ዝለዓለ ትምኒተን ገሊጸን።

christina 2

 ክርስቲና ብዛዕባ እቶም ዕድመ-ጸገብ ግና ድማ ሓያል ዘለዉ ቦ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ህዝቢ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅኑዕ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝተረደአ ሳላ ቦ ምዃኑ ጠቒሰን። ቦ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ጸብጻባት ጽሒፎም እዮም። ከምኡ እውን ፊልም ኣወሃሂዶም መደባት ተለቪዥንን ድራማታትን እውን ሰሪሖም። ምናልባት እቶም ቀዳማይ ምስ ንጉሰ ሃይለስላሴ ቃለ-መሓታት ኣካይዶም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝሓተዎም ቀዳማይ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንሶም እዮም።

christina 3

ቦ ካብቶም ኣብ 1970 “Eritrea Gruppen” ብዝብል፡ ምስ ኤርትርውያን ምሕዝነት ክፍጠር ዝነጠፉ እሞ ንክርስቲና ኣብዚ ምሕዝነት ክኣትዋ ሓቲተምወን ዝተቐበለኦ ነይሮም።  ክርስቲና ብወገነን ብ1980 “The Land by the Sea” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፊልም ኣዳልየን እየን። ናይታ ዳሕረወቲ መጽሓፈን ናይ እንግሊ ቅዳሕ ኣብ ፈስቲቫል  ኤርትራ 2019 ቀሪባስ  ዓብይ ናእዳ ረኺባ።

ክርስቲና ነቲ መጽሓፈን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ ርኢቶ፡ ነቲ ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣደኒቐን፡ “እቲ ሰዓራይ ነቲ ታሪኽ ይጽሕፎ” ንዝብ ኣበሃህላ ዘኪረን፡ እንተኾነ ነቲ ታሪኽ በቲ ካልእ ኣካል ዝቐርብ ክሰምዕኦ ከም ዝደልያ ገሊጸን። እንተኾነ መጽሓፈን እቲ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሓያሎ ኣባላት ህግሓኤ ዝተገብረ ቃለ-መሓትት እውን ዝሓዘ እዩ።

ኣተሓሒዘን እቶም ዝሓተታኦም፡ ስለምንታይ ናብ ቃልሲ ከም ዝተሳተፉ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብቲ ሓራ መሬት ብኸመይ ይነብሩ ከም ዝነበሩን ስለምንታ ኤርትራ ዲክታተር ከም ዘማዕበለትን ከም ዝገለጹለን ጠቒሰን።

ካብቶም ዘዘራረበኦም፡ ስዉኣት ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ዶ/ር ሃብተ ተስፋማአያምን፡ ከምኡ እውን ካብ ህሉዋት ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣርሀ ሓመድናካ፡ ረዘነ ተስፋጼንን ካለኦት ብዙሓትን ይርከብዎም። እቲ ዝሃብዎ ታሪኽ ኣካል እቲ ኣንበብቲ ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ዝግባእ ታሪኽ ኤርትራ  እዩ ኢለን።

Last modified on Sunday, 11 August 2019 21:32