Print this page

ደምዳሚ መግለጺ: 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ

2019-08-03 06:26:20 Written by  3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2859 times
Rate this item
(0 votes)

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤና፡ “ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ቪዝባደን ተኻይዱ።  እዚ ጕባኤ’ዚ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ጨናፍርን ጉጅለታትን ሰልፍታትና ዝተወከሉ ኣባላት ተሳቲፎሞ። እቶም ብወድዓዊ ምኽንያታት ኣብ’ዚ ጕባኤ’ዚ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ጨናፍርን ጕጅለታትን ከኣ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዘዝርከብሉ ቦታታት ንመምርሕን ቅጥዕን ጕባኤ ኣማሊኦም ተሳትፎኦም ኣረጋገጹ።

ጕባኤ፡ ብውሽጣዊ ኮነ ብግዳማዊ መለክዓታት ክምዘን እንከሉ ኣብ ፍሉይ ኩነታት እዩ ተኻይዱ። ብውሽጣዊ መዳይ፡ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን (ሃድኤ-ሕድሪ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተኻየደ መስርሕ ሓድነት ኣብ ውጽኢት በጺሑ ዝተጸንበለሉ ምዃኑ ፍሉይን ኣብነታዊን ጉባኤ ይገብሮ። ብግዳማዊ መዳይ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ለውጥን ዝሰዓበ ምዕባለታትን ዝተጸልወ ኩነታት፡ ንህግዲፍ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ በዓቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ኣውጺኡ፡ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ከምዝቃላዕ ዝገበረ መድረኽ’ዩ ነይሩ።

እዚ ብወገኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓደ ሸነኽ ሓያል ምብርባር ብምፍጣር ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝሰሓበ  ክኸውን እንከሎ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ዘይንጹር  ውዕል፡ ብዙሕ ሻቕሎትን ጥርጣረታትን ዝተፈጥረሉ መድረኽ ነበረ። ኣብ ርእስ’ዚ ከኣ፡ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፡ ሓድሽ ከባብያዊ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋህደሉን ወቕቲ ኢዩ ተኻይዱ። 

ጕባኤ፡ ኣብ ምጅማር ዕዮታቱ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንመስርሕ ምድላዉ ዝምልከት ዝርዝር ጸብጻብ ሰሚዑን ውግዓውነቱን ሕጋውነቱን ኣረጋግጊጹን። ብድሕር’ዚ፡ ኣቦ መንበራት ክልቲኡ ውድባት ንተመኵሮ ውድባቶምን ንመስርሕ ሓድነት ክልቲኡ ውድባትን ዝምልከት ጽሙቕ ዝበለ ጸብጻብ ኣቕሪቦም።

ጕባኤ፡ ነዚ ጸብጻባት’ዚ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ስትራተጂካውን ጕዳያት ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብ’ዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ምእንቲ ርሁው መጻእን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ነካይዶ ዘለና ቃልስታት፡ ብመንጽር ቦታዊ፡ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ሕልኽልኻት፡ ኣብ ከቢድ ወጥርን ብድሆታትን ኣትዩ ከምዘሎ መዚኑ። ብዛዕባ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝፈጠሮ ንመጻኢ ወለዶ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍ ዘይትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይቅዱስ ዝምድናታትን እውን ተመልኪቱ። ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዝወሰዶ ስጉምትታት ንናይ ሃገርና ረብሓ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ህዝባዊ ኣፍልጦን ግሉጽነት ዘይብሉን፡ ንልዑላውነት ሃገር ዘራኽስ ተግባራት ምዃኑ መዚኑ።

3ይን ሓድነታውን ጉባኤ፡ ነቲ ብ25 ሓምለ 2019 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብሎም ኤርትራውያን ድማ ዝሃለቕሉ ናይ መርከብ ሓደጋ ዘኪሩ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሩን ንዅሎም ስድራቤታት ግዳያት’ቲ ሓደጋ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉን።

ክልቲኡ ውድባትና ቅድሚ ጕባኤ ንክኸዶ ዝጸንሐ ጕዕዞ በብሸነኹ ዛዚሙ ናብ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ንምእታው፡ “ኣቐዲምካ ሰሪሕካ፡ ዝውገን ወጊንካ፡ ናብ ሓባራዊ ጉባኤ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ተረድኦ ክሰርሕ ስለዝጸንሐ ንብደሆታት ኮነ ንዕድላት ከከም ኣመጻጽኣኡ ኣብ ምምሕዳሩ ኣይተጸገመን።

ጉባኤ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ዝሰርሖ ስረሓት ዘመልክት፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝምረሓሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ።  ከምኡ’ውን፡ ነዞም ስዒቦም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዝርከቦ ጕዳያት፡-

“1. ህልዊ ኩነታትን ሉዓላውነትን  ኤርትራ፡

2፡ ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ደንበ ተቓውሞ

  1. ብዛዕባ ህዝባዊ ምልዕዓል “ይኣክል”

4፡  ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ሃገርና

5: ኤርትራውያን ስደተኛታት

6፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

7፡ ሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

8፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን

9፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል

  1. ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያትን” ዝምልከት ፖለቲካዊ ውሳነታት ወሲዱ።

ጉባኤ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኣባላት ሰዲህኤን ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓቢሮም ክጸምድሉ  መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ መሓዙት ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ካብቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ ድኽመታት ወጺእና፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ንሓድሕድ ክንማላላእ ጕባኤ ጸዊዑ።  

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትካ ልሳንካ ኴንና ክንዛረብ፡ መሓውርካ ኴንና ክንምርሽ ዝግበኣና፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት ከምቲ ዝተጸበኻና ክንከውን ዘይምኽኣልና ይርዳኣና እዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ማዕረ ትጽቢታትካ ዘይምብቃዕና ይቕሬታ እናሓተትና በዝን ብኸምኡ ዝኣመሰሉ ኣብ መጻኢ ከነረጋግጾም መዲብና ዘሎና ሓድነታዊ ስምምዓት ክንድብሰካ ተበጊስና ኣሎና። 

ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤ ነቲ 9 ዝኣባላታ ሓጻዪት ሽማግለ መዚዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ዝርዝር ሕጹያት፡ ኣብቲ ጉባአ ብዝተመዘዘት ኣምራጺት ሽማግለ ዝቐረበሉ ዝርዝር መርሚሩ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዋ፡ ብዝከኣል መጠን ንኤርትራዊ ብዙሕነት እተንጸባርቕ መሪሕነት መሪጹ፡ ናብ  ዓመታዊ ጽንብል ፈስቲቫል  ኤርትራ  ፍራንክፈርት ተሰጋጊሩ ከምዘሎ በዚ መግለጺ’ዚ ኣቢልና ንህዝብና ከነበስር ንፈቱ።

“ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ”

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ

1 ነሓሰ 2019

3ይን ሓድነታውን ጉባኤ

Last modified on Saturday, 03 August 2019 08:52