Print this page

ጉባአ ሰዲህኤ-ሃድኤ-ሕድሪ፡ ኣብ 3ይ መዓልቱ መሪሕነት መሪጹ

2019-08-01 04:26:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4914 times
Rate this item
(0 votes)

ሳልሳይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድርን)ን ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብረቡዕ 31 ሓምለ 2019፡ ናይ ብጻይ ገብረእግዚኣብሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሓይጻይት ሽማግለ ጸብጻብ ምስ ሰምዐ 35 ዝኣባላታ መሪሕነት መሪጹ።

Gereteweldeብጻይ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብ ጐኒ እታ ብጻይ ተኽለ መለኪን ዝመርሓ ኣምራጺት እማግለ ጸብጻብ እንዳቕረበ

እታ ብብጻይ ተኽለ መለኪን እተመርሐት ኣምራጺት ሽማግለ ምስ ቆመት ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር መግለጺ ንክህብ ናብ መድረኽ ተዓዲሙ። ንሱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ነቲ ብልኡኽ ሽወደን ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ዝጸደቐ ሓሳብ ንምሕያል ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መጻኢ ዝርዝር ሕጹያት ናብ ጉባአ ኣብ ምቕራብ ጥራይ ከይተወሰነት፡ እንተላይ ኣቦመንበርን መሳርሕቱን እውን ሰምያ ንክጸድቕ ናብ ማእከላይ ባይቶ ከተቕርብ ንዝብል  እንኳዕ ኣሕጐሰኩም ኢሉ። ብዘይካዚ እቲ ሓድሽ ዝተኣታተወ ዕማም ሓጻይት ሽማግለ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ክስረሓሉ ኣብ ዝብል እውን መብርሂ ሂቡ።

votingኣባላት ጉባአ ድምጾም ብምስጢር ንክህቡ ኣብ መስርዕ

 ብዙሓት ተሳተፍቲ ጉባአ፡ ነቲ ዝተኣታተወ ኣገባብ ሕጸ፡ ዝማዕበለ ኣገባብ ምርጫ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ውድቀት ምካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብብዙሓት ሰልፍታት ተቐባልነት ንክረክብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። እዚ ኣቐዲምካ ሕጹያት ናይ ምቕራብ ቀጥዒ ብብዙሓት ማሕበራዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዝውተር ዲሞክራስያዊ ኣገባብ እዩ።

ብጻይ ገ/እግዘኣብሄር ተወልደ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ሕጹያት ናይ ምቕራብ መስርሕ፡ ብ29 ጨናፍር ክልቲኡ ዝሰመረ ውድባት 133 ሕጹያት ከም ዝቐረቡን ካብዚኣቶም 52 ጥራይ ቅሩብነት ከም ዘርኣዩን ገሊጹ። ኣብ ርእሲ እዞም 52 ጉባአ 6 ሕጹያት ስለ ዝወሰኸ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝተወዳደሩ 58 ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሳልሳይ መዓልቲ ጉባአ ካብ ዝተንጸባረቐ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ህጹጽነትን ኣገዳነትን ተሳትፎ መንእሰይ ዝምልከት፡ ብመንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝቐረበ መደረ ነይሩ። እዛ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትነጥፍ፡ ኣብ ኣሜሪካ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ምልዕዓላት  ክትሳተፍ ዝጸንሐት መንእሰይ ኣድያም ሃይለ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝብል እምነታ ኣንጸባሪቓ።

adiamኣባል ሰልፊ መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ንምልዕዓል መንእሰያት ብዝምልከት ኣብቲ ጉባአ መደረኣ እናስመዐት

ኣብ ናይ 1 ነሃሰ 2019 መዕጸዊ ስነስርዓት ልኡካት መሕዙት ውድባት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ መዕጸዊ ስነስርዓት ልኡኻት መሓዙት ውድባትና እንደጋና ናይ ምሕዝነት ቃሎም ከስምዑን፡ መጻኢ ዝምድነኦም ምስዚ ዝሰመረ ሰዲህኤ ብምጥቃስ ብዛዕባቲ ደንጉዩ ዘሎ ምምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ቅርቡነቶም ክገልጹን ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ናብዙ ጉባአ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክውሕዝ ቀንዩ። ናይ ኩሎም ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ዓወትን መልእኽቲ ትሕዝቶ ከኣ “ጉባአኹም ናብ ሓቢርካ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስ ኣብ ኤርትራ  ምቅላስ  ዘምጽእ ይኹን” ዝብል ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ውድባት ደገፍ ብውልቂ ደገፎም ናይ ዝገለጹ ዝርዝር ነዊሕ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ መድረኽ ፍሉጣት  ናይ ዲሞክራሲ ተሓለቕቲ ሓርበኛታት፡ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ (ኣቡ ሓሽም እንግሊዝ)፡ ዶ/ር ዳንኤል ርዘነ (ስዊዘርላንድ)፡ ኣቶ ሰመረ ተ፡ ሃብተማርያም (ሕመኣ)፡ ዶ/ር ሳድያ ሓሰን (ስወደን)፡ ኣልጋነሽ ገብረ (ጀርመን)፡ ምክትል ሚኒስተር ሚኒስትሪ ገንዘብ ኤርትራ ነበር፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሆላንድ)፡ ዶ/ር ኣልማዝ ዘርኣይ (ጀርመን)፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣማኑኤል (ስወደን)፡ ወ/ሮ  ርግኣት ሓድሽ (ስዊዘርላንድ)፡ ወ/ር ለምለም ጸሃየ (ሆላንድ)፡ ኣቶ ዘርኤማርያም ክፍለ (ሕመኣ) ይርከብዎም።

Last modified on Thursday, 01 August 2019 12:30