Print this page

ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተይናታት ወዲ ሸሪፋይ መበል 35 ዓመተ-ትምህርቲ ዛዚማ

2019-03-29 23:18:17 Written by  ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ Published in EPDP News Read 3260 times
Rate this item
(0 votes)

ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ናይ’ቲ ብዕለት 1 ሓምለ 2018 ዓ.ም ዝጀመረ ናይ 2018 – 2019 ኣካዳሚካዊ ዓመተ-ትምህርቲ ብዕለት 17 መጋቢት 2019 ብዓወት ዛዚማ። እዛ ንመበል 35 ዓመት ከየቋረጸት ንመንእሰያት ስደተይናታት ኣገልግሎታ ትህብ ዘላ ቤት ትምህርቲ ሳላ’ቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ተወፋይነት መማህራናን መዋሊታ ዝኾነት ማሕበርን (Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE))፤ ብኣባ ገብራይ ብእደማርያም ትመሓደር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን  ካልኦት ተሓባበርትን እያ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንኣስታት 600−700 ህጻናት ትምህርታዊ ኣገልግሎታ ተወፊ። ጠቕላላ ቁጽሪ ተማሃሮ ናይዚ ዓመት’ዚ 604 ኮይኑ፤ ካብኣቶም 265 ደቂ ኣንስትዮን 339 ድማ ደቂ ተባዕትዮን እዮም። ኣብ መደምደምታ ዓመት እቶም ንዝተዋህቦም መርመራታት ሓሊፎም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝተሰጋገሩ ተማሃሮ 545 ወይ ድማ 90% ክኾኑ ከለዉ፤ ካብኣቶም ከኣ 46 ሚእታዊት ማለት 249 ደቂ ኣንስትዮ፣  54 ሚእታዊት ማለት 296 ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

Exam1

ተማሃሮ ኣብ እዋን መርመራ

ሎሚ ዓመት ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ፍልይ ዘብሎ ኩነታት ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ።

  1. ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ፡ ገለ ህንጻታት ናይ ቤት ትምህርቲ ህንጻታት ክፈርሱን ናይ አለክትሪክ ዓንድታት ወይ ባሎታት ክወድቁን ተራእዮም፤
  2. (ኣሺኮጎኞ) (ካንከሻ) ዝበሃል ብርቱዕ ረስኒ ዘኸትል ተላጋቢ ሕማማት ነቲ ሕብረተሰብ ዘጥቅዓሉ ወቕቲ ምንባሩ፤
  3. ብሰንኪ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝሰዓበ ኣድማታት ወይ ሾቦሮታት ኣብያተ-ትምህርቲ ብትእዛዝ መንግስቲ ክዕጸዉ ተገይሩ።

በዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ምኽንያታት፡ ሎሚ ዓመት ደርጋ 6 ወርሒ ጥራሕ ኢዩ ትምህርቲ ተዋሂቡ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ሱዳን፡ ዓርብን ቀዳምን በዓላት ወይ ናይ ዕሪፍቲ መዓልታት ስለዝዀነ፡ ንዐአን ኣጒዲልካ 118 መዓልታት ጥራሕ እዩ ትምህርቲ ተዋሂቡ።ብምኽንያት ሓድሽ ንኣሰራርሓ ባንክታት ዝምልከት ሕግታት መንግስቲ ሱዳን፡ ሓደ ሰብ ካብ 500 ጅኔ ንላዕሊ ኣብ ወርሒ ካብ ሕሳቡ ከውጽእ ስለ ዘይከኣል ሎሚ ዓመት ጉዳይ ደሞዝ መምህራን ኣዝዩ ጸገም ኮይኑ ጸኒሑ ክሳብ ሒጂ እውን ኣይተፍትሐን ዘሎ። እዚ ኩነታትዚ ንመምህራን ኣብ ጽጉም ኩነታት ኣውዲቕዎም ይርከብ። መምህራን ብክራይ ገዛውቲን ቀለብ ስድራቤታቶምን ጌና ይሽገሩ ኣለዉ።

Exam 2

ተማሃሮ ኣብ እዋን መርመራ

ብሰንኪ ስእነት ኤለክትሪክ ተምሃሮን መምህራንን ብሃሩር ይሳቐዩ ኣለው። ኣገልግሎት አለክትሪክ ንምርካብ ብዙሕ ፈተነታት እኳ እንተተገብረ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ጸገም ኣይተፈትሐን ዘሎ።

ስለ’ዚ ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ኢልና ንሓስቦ፡ ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ዓባይ ጀነረይተርን መራውሕ (FAN) ዘለወን 21 ክፍልታትን ስለዘለዋና፡ ነዚአን ከምዝሰርሓ ምግባር ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ፡ እቲ ሓያል ድምጺ ናይ ጀነረይተር ንገዛእ ርእሱ ጸገም ስለዝዀነ፣ እታ ጀነረይተር ካብ’ቲ ክፍልታት ርሕቕ ኢሉ ንዓኣ ተባሂሉ ኣብ ዝተሰርሐ ፍሉይ ክፍሊ ክትከውን ኣለዋ።  

Wedsheriffey with Envelop           

ካልእ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ድማ፡  ነቲ ካብ ሓላፊ ምምሕዳር ዘይመንግስታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ሱዳን ዝተዋህበና ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተብዕትዮን ፈላሊኹም መሃርዎም ዝብል ትእዛዝ ንምኽባር፤ ተወሳኺ ክፍልታት ምህናጽን መማህራን ምቑጻርን የድልየና። ኣብ ርእስ’ዚ፡  እቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ንኩሉም ተማሃሮ ብናጻ ዝዕደል ዩኒፎርም ግዜኡ ስለዝኾነ፤ ተማሃሮና ጽሩይን ሓድሽን ክዳን ተኸዲኖም ትምህርቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ምእንቲ ክጅምሩ ናይ ኵሎም ደገፍትናን ግዱሳት ኤርትራውያን ሓገዝ ከምዘድልየና ብትሕትና ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ኣቶ ኢድሪስ እስማዒል፡  ኣምሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ

ኣቶ ተኽለሃይማኖት እልፉ፡ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ

Last modified on Saturday, 30 March 2019 18:22