Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2019-02-26 20:11:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 27435 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ 24ን 25ን ለካቲት 2019 ራብዓይ ዓመት፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብሓጺር ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣቦ-መንበሩ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተኸፍተ ኣኼባኡ፡ ኣገዳሲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን ምዕባለታት ንዝእምት ሓበሬታታት እኹል ግዜ ሂቡ ተለዋዊጡ። ካብኡ ቀጺሉ ዝርዝር ጸብጻባ ስራሕ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ሰሚዑ። ብዘይካዚ ብመሰረት  ኣቐዲሙ ዝሓዞ ኣጀንዳታት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ፡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገደስቲ ውሳነታ ከኣ ኣመሓላሊፉ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ብሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈቱ፡ ጸብጻባት ብዝርዝር ርእዩ ኣድላይ ምትዕርራይን መእረምታን ብምግባር ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቑን፡ ውሳኔታት ወሲዱን።  ካብዚ ብምቕጻል፡ መጻኢ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ንምዕዋት ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ዝርዝር መስርሕ ምድላው ብዓሚቕ መዚኑ። ፈጻሚት ሽማግለ ነቲ ብሓባራዊ ኣወሃሃድን ኣሰናዳኢትን ሽማግለታት ክሳብ ሕጂ ተዓሚሞም ዘለዉ ስረሓት ብምዝርዛር ንኢዱ። እቲ ተሪፉ ዘሎ መስርሕ ብዓወት ምእንቲ ክዛዘም ከኣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብደረጃ መሪሕነት ኮነ መሰረታት ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ሓንጺጹ። ኣብዚ ብዛዕባ ምድላው ጉባኤ ዝገበሮ ዳህሳስ ኣባላት ክልቲኡ ናብ ሓድነት ዘምርሕ ዘሎ ወገናት ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ቅሩብነት ንኢዱ፡ ክሳብ ዓወት ከም ዝቕጽልዎ እምነቱ ጽኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ብሰንኪ ጠላም ኣካይዳ ህግዲፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሓባር ንኽቃለስ ዘለዎ ኣድላይነትን እዋናውነትን መዚኑ። በዚ መሰረት እቲ ናይ 2017 ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን እማመኡ ንምዕዋት ዝገበሮ ምንቅስቓስ፡ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የርኢ ከም ዘሎ ገምጊሙ። ንመጻኢ እውን ነቲ ካብ ፍጹም ሓድነት ጀሚርካ ክሳብ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግዲፍ ዘትከለ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ዝዝርጋሕ ጻዕሩ ዝያዳ ከሕይሎ ምዃኑ ርእዩ። ምስ ሃድኤ-ሕድሪ ናብ ሓድነት ምብጻሕ ምኽኣሉን  ምስ ካለኦት ውድባትን ግንባራትን በብደረጃኡ፡ ናብ ምሉእ ሓድነት ወይ  ናብ ምምስራት ጽላል ንምብጻሕን የካይዶ ንዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ካብ ምሕያሉ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየለ መዚኑ። እቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ኣድላይነት በዚ ምስ ውሱናት ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዘተኣማምን ንህግዲፍ ዘወገድን ኣብ ቦታኡ ዝትክእን ሰፊሕ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር  ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑ ብምጥቃስ ናይ “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ” ጻዋዒቱ ኣሕዲሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክከታተሎ  ዝጸንሐን ኣብዚ ኣኼባኡ ዝዳህሰሶን ሓበሬታ ተመርኲሱ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ገምጊሙ። ኣኼባ ኣገዳስነት ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ከይዘንገዐ፡ በቲ ስርዓት ህግዲፍ ሓቀኛ ምስሉ ንምሕባእ  ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዘይግሉጽን ሓደጋታት ዝሓቖፈን መሕብኢ ውዲታት ዝሓደሮ ስግኣት ኣስተብሂሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ኣካይዳ ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳያት ብዝምልከት ዝኾነ ለውጢ ከምዘየለ ብምስትውዓል፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ምድንጋራት ተዳህሊሉ፡ ካብ ቃልሱ ከይበኩር ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰላምን ራህዋን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ስለ ዝጸላሎ፡ ኢትዮጵያውያን ዘራጊ  ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ናይ ሃገሮም ሰላም ውሑስ ከምዘይከውን ንክርድኡን ብመንጽርዚ ክሰርሑን ተማሕጺኑ። ኣካይዳ ናይቲ ልኡላውነት ህዝብን ኤርትራን ጠሊሙ ዘዕለብጥ ዘሎ ዲክታተር፡ ሓደገኛ ምዃኑ ብዕምቆት ዝተረደአ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ  ናይ ለውጢ ሓይልታትን ህዝብን ኮነ፡ ምስ  ልኡላውውነት ኤርትራ ዝኣምኑ ፈተውትን ኣዕርኽትን ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጊፉ ካብ ምቅላስ ሓሊፉ፡ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ተሳተፍቱ ኮነ ትሕዝቶኡ ፍሉይ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019  እተዳሉ ሽማግለ መዚዙ መበገሲ ስራሕ ዝኾና ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መጻኢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝዕመም ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዕማማት ኣነጺሩ። መላእ ደላይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓበራ፡ ኣብዚ ኤርትራ ናይ ምድሓን ዕማም ቀዳማይ ደረጃ ሒዝሉ ዘሎ እዋን ተሳትፍኡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ከዕዝዝ ጸዊዑ። መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕዋት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ በቲ ሒዘሞ ዘለዉ ናህሪ ንክቕጽሉ ጸዊዑ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!

Last modified on Tuesday, 26 February 2019 21:14