Print this page

ፕረሲደንት ሱዳን፡ ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ናይ ሓደ ዓመት ህጹጽ ኵነት ኣዋጅ ኣንቢሩ

2019-02-23 08:47:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2161 times
Rate this item
(0 votes)

ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፡ ብዓርቢ 22 ለካቲት 2019 ንህዝቢ ሱዳንን ዓለምን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምህዳእ ናይ ሓደ ዓመት ህጹጽ ኵነት ኣዋጅ ኣዊጁ።

ብመሰረት’ዚ ፕረሲደንታዊ ኣዋጅ’ዚ፡ ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ሃገራዊ ናይ ስምምዕ መንግስትን (ሕኩማ ኣልውፋቕ ኣልወጠኒ) ኵለን ናይ ኣውራጃታት መንግስታትን ፈሪሰን ብመንግስቲ ናይ ክኢልታት ክምርሓ ምዃነን ተገሊጹ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቲ ንፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ኣብ 2020 ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ተባሂሉ ቅዋም ንምቕያር ኣብ ፓርላማ ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ክውንዘፍ ኣዚዙ። ንሱ እውን ካብ ሻርነት ናይ ሰልፍታት ሓራ ኰይኑ ብፍትሕን ወድዓውነትን ከመሓድር ምዃኑ ተማባጺዑ። ከምኡ’ውን፡ ንዝዓጠቑን ዘይዓጠቑን ተቓወምቲ ሓይልታት ንልዝብ ጸዊዑ።

እቲ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዓሰርተታት ዝሞትሉን በማእት ዝቝጸሩ ዝተኣስርሉን ሰላማዊ ሰልፍታት ግን ጌና ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ይቕጽል ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Saturday, 23 February 2019 10:07