Print this page

ንባብ ሰዲህኤ ንሓድሽ ክስተታት ከባቢናን መጸዋዕታኡን

2019-02-03 20:45:53 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2969 times
Rate this item
(1 Vote)

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ድማ ብፍላይ፡ ብሓደ ሸነኽ ተስፋን መጐስን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሻቕሎትን ምጥርጣራትን ፈጢሩ ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምፍትሑ፡ ተቓወምቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ናይ ህጹጽ ኣዋጅ ኵነት ምልዓሉ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምቕባሉን ዶባት ተኸፊቶም ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ክራኸቡ ምኽኣሎምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ንህዝብታትን መንግስታትን ዓለምና ዓቢ ተስፋ ዘሕደረ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ ግርም ኰነ ዝተባህለሉ ወቕቲ ኢዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ፡ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፡ እሱራቱ ክፍትሑ፡፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርክቡ ደቁ ናብ ትምህርቶም፡ ናብ ስርሖም፡ ናብ ወለዶም ክምለሱ፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳያስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ፣ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ክዀነሉ ኢዩ ነይሩ ትጽቢቱ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ደገፉ ንመስርሕ ሰላም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ትጽቢታቱ ስለዘይተፈጸመሉ ወይ ክፍጸም ምዃኑ ዝእምት ምልክት ስለዝሰኣነሉ፡ እቲ ኣሕዲርዎ ዝነበረ ተስፋ ብእንብኡ ክበንንን ክሃፍፍን ናይ ግድን ኰይኑ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ደጋጊሙ ዘቃልሖ “ምድማር” ዝብል ዘይብሩሁን ዘይንጹርን ክለሳ-ሓሳብ፡ ሰባት ከከም ድላዮም ንኽትርጕምዎ ዕድል ዝህብ ኢዩ ኰይኑ ተረኺቡ። ገለ synergy ወይ ምውህሃድ ኢሎም ተርጕሞሞ፣ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ትምለስ ኣላ ዝብል ትርጕም ክህብዎ ከለዉ፣ ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ንኢትዮጵያውያን እምበር ንኤርትራ ኣይምልከትን ኢዩ ዝብል ትርጉም ክህብዎ ተራእዮም ኢዮም። ነዚ ኵሉ መዕረፊ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ምዃናን እቲ “ምድማር” ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ከምዘይኰነን ከብርህዎ ሓላፍነቶምን ግዴታኦምን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብግርህነት ድዩ ወይስ ብሸርሒ ኣይገበርዎን።

ዶር ኣብዪ ብኣንጻሩ፡ ደቅና፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ጅቡትን ኣርባዕተ ዘይኰኑስ፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ኣርማ፡ …ወዘተ ዘለዋ ሃገር ክርእዩ ኢዩ ትምኒተይ ብምባል፡ ነቲ ድንግርግር ዝያዳ ከምዝዓሙቕ ኢዩ ገይርዎ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ጅቡትን 3 ኤምባሲታት ክህልወን መባኸኒ ገንዘብን ጕልበትን ኢዩ ክብል ተሰሚዑ። ኣብ ርእሲ’ቲ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክገብር ኢየ ኢላ መደባት ምስርዓ፡ ንወደብ ዓሰብ ብሽርክነት ክጥቀምሉ ምዃኖም፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ዓሰብን ኣዲስ ኣበባን ናይ ጋዝ ቱቦ ክስራሕ ኢትዮጵያን ናይ ዓረብ ዓማራትን ንኤርትራ ዘይሓወሰ ስምምዕ ከም ዝገበራ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ናይ ኢትዮጵያ ኢና ሰሚዕናዮ።

እዚ ዅሉ ንልዑላውነት ሃገርና ዘሸራርርፍ ከይከውን ሻቕሎት ኣሎና። ልዑላውነት ናይ ሃገር ብሓድነት መሬቱ ወይ ዶባቱ፡ ናጽነት ርእሰ-ውሳኔኡ፡ መለለዪ ባንዴራኡን ሕገ-መንግስቱን ኢዩ ዝልለ። ከም’ዚ ስለዝዀነ ድማ ኢዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ሰበስልጣን ኢጣልያ ንወደብ ምጽዋዕ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ ዝገበሮ በይናዊ ስምምዕ፡ ዘዛርብን ዘዋጥጥን ዘሎ። መራሒ ካልእ ሃገር ኣብ ክንዲ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኰይኑ ክሰማማዕን ክኽትምን በየናይ መንገዲ ዝረኸቦ ውክልና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ መራሕቱ ባዕሉ ደኣ ክመርጽ ኣለዎ እምበር መራሕቱ  ካልኦት ናይ መጕዚት መራሕቲ ክመርጽሉ ሓላፍነት ዘሰከሞም ኣካል የለን።

ናጽነት ኣብ ሃሃገርና ብግቡእ ከየስተማቐርና፡ ኣብ ሃሃገርና ዲሞክራሲ ሱር ከይሰደደ፡ ሓድነት ህዝብታትና ብኤትኒካዊ ምስሕሓባት ተበጣጢሱ: ህዝብታት ኣብ ስደትን ምፍንቓልን ምቅትታልን ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ነጢርካ ናብ’ቲ ናይ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመስል ሓድነት ከተቋምት ምፍታን ግዜኡ ዝሓለወን ምስ ክውንነት ዝሳነን ትልሚ ይኹን ሓሳብ ኣይኰነን።

ገለገለ ምሁራት ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ሃይለስላሰ ንፈደረሽን እንተዘየፍርሶ፡ ኤርትራ ኣይምተገንጸለትን ነይራ፤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እንከለኹ፡ ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን ንዘራረብ ኔርና ኢና። ዕልዋኹም ጥራሕ ይተዓወት እምበር ዘይከኣል ኣይኰነን ይብለና ነይሩ ክብሉ ተሰሚዖም ኢዮም (ሻለቃ ዳዊት ወልደገርጊስ)። እዚ ምስ’ቲ መስፍን ሓጐስ ብዛዕባ’ቲ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ለካቲት 1991 ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ናይ ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ (ሓው መስፍን ሓጐስ እውን ዝተኻፈሎ ማለት ኢዩ) ኢሳያስ፡ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ዝነበሮ መደብን ባህግን ንምዕዋት ዝገበሮ ጻዕሪ ዋላ’ኳ ተቓውሞ ረኺብዎ እንተፈሸለ፡ እቲ ሓሳብ ምህላዉ ግን ንሻቕሎትና ብዝያዳ ኢዩ ዘበርኾ። ህዝቢ ኤርትራ ጌና ናጽነቱ ከየስተማቐረ እንከሎ፡ ኢሳያስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ደሚሩ ክመርሕ ይሓስብ ምንባሩ ምስማዕና ኣዝዩ ዘስደመመና ጕዳይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ንባዕሉ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ምእንቲ ስልጣኑ ክብል ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ዋላ ንልዑላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሕር ከምዘይብል ኢዩ ዝእምት። ትማሊ ዝነበረ ሕልሚ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዘይህልወሉ ወይ ዘይቅልቀለሉ ምኽንያት የለን።

ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ንህዝቢ ከዐሹ ብዶብ ንኣስታት 20 ዓመታት ክግዕር ምጽንሑን ሎሚ ብጒዳይ ዶብ ፍጹም ተገዳስነት ዘይምርኣዩን ዘስደምም ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብይን ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ ኵነታት ክንትግብሮ ኢና ዝበሎ መብጽዓ ቀለሙ ከይነቐጸ እንከሎ፤ ናይ ዶብ ሕቶ እኳ ንዓና ካልኣዊ ኢዩ… ብዛዕባ ዶብ እኳ ኣይተዛራረብናን ምባሉን፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ንመብጽዓኡ ዘይምፍጻሙን ድማ፡ ካብ’ቲ ንህዝብና ኰነ ንዓና ዘሻቕል ዘሎ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ኢዩ።  

ከምኡ’ውን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ካብ ዘረባኡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ። ካብ ሕጂ ጀሚረ፡ ሓሓሊፈ ኣብ ገለ መድረኻት ንኤርትራ ዝምልከት ጕዳይ ክዛረብ እንተሰሚዕኩምኒ ጋን ከይኰነኩም ወይ ውን እንታይ ኢዩ ዘይስርሑ ዝሰርሕ ዘሎ ከይትብሉ ምእንቲ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጕዳይ ኰይነ ክሰርሕ ስልጣን ሂቡኒ ኣሎ። ኢሉ ነይሩ።

ኢሳያስ ድማ፡ ንዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ “ኣነ ደጊመ፡ ደጋጊመ ኢለካ ኣለኹ፡ ገለ ነገር ዝግበር እንተሎ ወኪል ንስኻ ኢኻ ትመርሓና። ንቃል-ዓለም ኢለ፡ ወይ ንዕኡ ከሐጕስ ኢለ፡ ወይ ዘረባ ክጥዕመኒ ምእንቲ ኢለ ዘይኰነስ፡ ናይ ብሓቂ እዚ ሕጂ ህይወት ኣልቢስና ንገብሮ ዘለና ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ ልምዓት ናይ ገስጋስ ናይ ዕበየት መደባትና ሓደ ካብቲ ካልእ ዝፍለ ኣይኰነን። ነዚ ከኣ ዶር ኣብዪ ኣብ’ዚ ኣሎ ክመርሓና ኢዩ” ኢሉ። ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ  ዑስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን እውን  ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ብጽሖት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ ዶር ኣብዪ መራሒና ኢዩ ክብሉ ተሰሚዖም ኢዮም። እዝስ ኣየሻቕልን’ዶ?!!!!

ስለ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መገዲ ባቡር፡ ምስ ሰበስልጣን ዓዲ ጣልያን ተራኺቡ ብዘይ ህልውና ወከልቲ ኤርትራ ክሰማማዕ ምኽኣሉ፡ ብሓቂ ውክልና ተዋሂብዎ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ። እዚ ድማ፡  ንልዑላውነት ኤርትራ ዝዳፋእ ሓደገኛ ክስተት ኢዩ። ደገፍቲ ስርዓት ኣስመራ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ንምሕዳር ኢሉ ኢዩ፡ ንኣኽብሮት (courtesy) ኢዩ እናበሉ ከመሳምስሉ እኳ እንተፈተኑ፡ ኢሳያስ ግን፡ ባዕሉ ንቃል-ዓለም ኢሉ ከምዘይተዛረቦ ኢዩ ብንጹር ኣገባብ ገሊጽዎ ኢዩ። ናይ ወጻኢ ጕዳይ ሚንስተር፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ብጽሖት ንዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ መራሒና ከምዝበልዎ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታትና ትምህርቲ ክንቀስም እንተዘይክኢልና፡ ትማሊ ንዝተገብረ ጌጋታት እናደጋገምና ክንነብር ኢና ማለት ኢዩ። ኣብ መንጐ ብመለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግን ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስን ድሕሪ ሪፈረንደም ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ተኸቲሙ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ጕዳይ ዶብ፡ ልክዕ ከም’ዚ ሕጂ ዝብሃል ዘሎ፡ ዶባትና ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክሰጋገር ኢዩ ተባሂሉ ብዙሕ ተዘሚሩ ኢዩ። ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ መንግስታቶም ዝተገብረ ስምምዕ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን።

ሎሚ ድማ፡ ስምምዕ ጌርና ክብሉ ንሰምዕ ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ዝርዝር ስምምዓት ግን የለን። ጕዳይ ዶብ ቀዳምነት ንህቦ ኣይኰነን፡ ብዛዕባ ዶባት ዝገበርናዮ ዝርርብ የለን እናተባህለ ክዝረብ ንሰምዕ ኣለና። ጕዳይ ዶብ ክሳብ ክንድ’ዚ ንኡስ ጕዳይ እንተደኣኰይኑ፡ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ናብ ውግኣ ኣእትዩ ክሳብ 70,000 ዝዀኑ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዝተቐዝፍሉ ምኽንያት ክኸውን ዝኸኣለ?!!! ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ኣብ 1998 ዘጋጠመ ኵነታት ክድገም ኣይኰነን ኢልና ደቂስና ክንሓድር ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ውሕስነት የብልናን። ኣብ መንጐ መራሕቲ ዘይምስምማዕ ምስ ዝፍጠር፡ ምስምሳት ፈጢሮም ተልዓል፡ ተኣንጐት ኢሎም ንክልቲኡ ኣህዛብ ዋጋኡ ከኽፍልዎ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታኡን ምሕጽንታኡን የቕርብ።

1.   ኣብ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ወተሃደራዊ መደበራት ክህሉ ይኹን ንልዑላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ሽርክነታትን ስምምዓትን ምፍጻም ብትሪ ንነጽግን ንቃወምን፤

2.   ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ንጽውዕ፤

3.   ኣብ መንጐ ኤርትራን ካልኦት መንግስታትን ዝግበር ስምምዓት ንህዝቢ ኤርትራ ብግልጺ ክሕበሮ መሰሉ ምዃኑ ንኣምን፤

4.   ንልዑላውነት ናይ ኤርትራ ዝጣበቕን ዝሕሉን (watchdog) ናጻ ዝዀነ ሲቪላዊ ማሕበር ብሞያተኛታት ክቐውም ኣድላዪ ምዃኑ ነዘኻኽርን ብሸነኽና ዘድሊ ምትሕብባር ንምግባር ድልውነትና ንገልጽን፤

5.   ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ ጭቁን ህዝቦምን ልዑላውነት ሃገሮምን ደው ክብሉ ንጽውዕ፤

6.   ደለይቲ ፍትሒ ማዕረ’ቲ ህዝብን መድረኻዊ ዕማማትን ዝጠልቦ ሓላፍነት ክብ ብምባል ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ነዚ ሓድሽ ክስተታት ክመዝኑን ምስኡ ዝመጣጠን ስጕምታት ክወስዱን ነዘኻኽር፤

7.   ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብህጹጽን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክፍትሑ ንጽውዕ፤

ፍትሒ ሰላምን ዲሞክራስን ዝነገሳ ናጻ ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

3 ለካቲት 2019

Last modified on Monday, 04 February 2019 14:31