Print this page

ሰዲህኤ፡ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ጽኑዕ ምቁጽጻር ክገብራ ትጽቢት ይገብር

2019-02-02 10:15:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2372 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብተን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ቃል ጸብጻብ  ዘቕርባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብእዊ መሰል ኤርትራ፡ ጓል ቺለ፡ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ መዘክሩ እዘን ሓዳስ ተኸታታሊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይተዓጻጸፍን ጨቋንን ስርዓት ኤርትራ ጽኑዕ ምክትታል ክገብራ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

እዘን ሓዳስ ክኢላ፡ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 25 ለካቲት ክሳብ 22 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ ዝካየድ መበል 40 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ መጀመርያ ናይ ቃል ጸብጻበን ክቕርባ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ብ31 ጥሪ 2019 ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ ኣብ ቅድሚ እተን ፍልይቲ ተኸታታሊት ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት፡ ምስቲ ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጸገም ከቢድ ምዃኑ ከም ዝርዳእ ጠቒሱ፡ ምስቲ  ወኪል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ኣካል ብዘይሕፍረት ብ28 ጥሪ 2019 ኣብ ኣድማሳዊ እዋናዊ መድረኻዊ ዳስህሳስ ዘቕረቦ መስሓቕን ጻዕዳ ሓሶትን ጸብጻብ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ።

እዚ መልእኽቲ ናይ ቅድም ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዋላኳ እንተዘይተተግብረ፡ ናይቲ ስርዓት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላዕን ሕብረተሰብ ዓለም ንውሳነታትን ለበዋታትን ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንከተግብር ኣብ ምድፋእን ንዘበርከቶኦ ኣስተዋጸኦ ኣመስጊኑ።

መዘክር ሰዲህኤ፡ እዘን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብባይቶ ሰብእዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ዝተመዘዛ ወይዘሮ ክራቨትዝ፡ ኣብ መጻኢ ግዜአን ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ደረት ዘየብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ክውገድን ተሓታትነት ክሰፍንን ኣብ ምግባር ክዕወታ ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ።

 ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሓቢሩ፡   ነዚ ኣሰቃቒ  ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምምጻኡ ንክዕወታ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክተሓባበር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።

Last modified on Saturday, 02 February 2019 15:57