Print this page

  ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ

2019-01-18 07:52:00 Written by  ቤ.ጽ ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ Published in EPDP News Read 2421 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም 12 ጥሪ 2019 ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምሉኣት ኣባላት ናይ ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣኼባ በዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡

  • ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊን ንጥፈታቱን
  • መስርሕ ምስንዳእ ሓባራዊ ጉባኤ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፤ ሓበሬታ ካብ ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቐሪቡ
  • ንጉዕዞ ሰልፍናን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪን ብዝምልከት፡ ብንኡስ ሽማግለ ሰነድ ናይ ሓባራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመምዩ ዝተዳለወ ንድፊ ቅዋም ኩሉ ኣባል ብዕምቆት ክመያየጠሉን ርእይቶኡ ክህበሉን ናብ ኩሉ መሰረታት ተላኢኹ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኩሉ ኣባል ብመሰረት ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ፡ ብዓቢ ተገዳስነት ክርእዮን ኣብ ምምዕባሉ ክሳተፍን ናይ ዞባ ሽማግለ ኣጥቢቑ ተላብዩ።
  • ጸብጻብ ካ ናይ ዞባ ገንዘባዊ ቤት-ጽሕፈት

እኼባ ሓደ ብሓደ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ኣልዒሉ ተመያይጡ። ከምቲ ልሙድ ኣባላት ዘለዎም ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከም ወትሩ እዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ተስፋ ዝህብን ፍናን ኣባላት ሓፍ ዘበለን ኮይኑ ተዛዚሙ።

ብደም ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ሃገርና፡ ብዋጋ ዕዳጋ ኣይድፈርን’ዩ!              

ክንዕወት ኢና!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

15 ጥሪ 2019

Last modified on Friday, 18 January 2019 09:18