Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ናይ 2019 ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ

2019-01-15 11:52:10 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2581 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 13.01.2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ብደሓን መያእኩም ሰዓት 14.00 ምስ ተኸፈተ፡ ኣብ ዝስዕብ ኣጀንዳታት ተእትዩ፡-

1 - ነዚ ዓመትዚ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ 3ይን ሓድነታውን ጉባአን ፈስቲቫልን፤

2 - ንእኡ ብዝምልከት ኣባላት ክገብርዎ ዝግብኦም ኩሉ መዳያዊ ተሳትፎታትን፤

3 - ህልዊ ጸገማት ህዝብናን መንእሰያትን ዝብሉ ኮይኖም መሪሕ ግደ መንእሰያትን ዘለዎም ዕማምን ሓላፍነትን ዘጠቓለሉ ነይሮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪን) ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታትን ንምዕዋት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤን ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ኣብዝተጠቕሰ ቀዳማይን ካልኣይን ኣጀንዳታት፡ ንድፊ ቅዋምን መምርሒ ሓጻይት ሽማግለ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ምህላዉን ብምምሕዳር ጨንፈር መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣባላት ጨንፈር ብሰፊሑ ተዘራሪበሙሉ። ኣኼበኛ እዚ መጸናበሪ ጉባአ‘ዚ ብዓወት ክዛዘምን ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት እውን፤ እተኽእለ ኣብ ሓደ ንምጥርናፍን  ሓቢርካ ንምስራሕን ኣተባባዕን ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፍኡን ትጽቢቱን ብምግላጽ፤ ኩሉ ዝከኣሎ ንክገብር መብጽዓ ብምእታው ኣበርክትኡ ክገብር ከምዝኽእል ብምርኣይ  ኣብ  ኣወንታዊ ጅማሮታት ኣትዩ።

 ኣብቲ ዝሰዓበ ኣጀንዳታት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምብትታንን ስደት መንእሰያትን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝፈጠሮ ጸገማት ሕብረተ-ሰብና፡ ከም ዝኾነን፡ እዚ ዝተበደለ መንእሰይ ድማ ኣብ ስደት ከይተረፈ ገና ሽግሩ ብመጋበርያታት ህግዲፍ እናገደደ እኸይድ ከም ዘሎን፡ መንእሰይ ሓው ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ ብዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። መንእሰይ ክብሮም ኣብ መግለጺኡ፡ ሓይልታት ተቓውሞ‘ውን ተጠርኒፉ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ሽግር መንእሰያትን ብዓቢኡ ድማ ሽግር ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ሓላፍነት ብግቡእ ከም ዘየማልአን  ጠቒሱ። ወሲኹ‘ውን ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንውልቃዊ ረብሓኡ ክብል ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦ ውዲታት ዝፍጽመሉ ዘሎን እዋን ኮይኑ፡ ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንኸይታኣቱ፡ መንእሰያትና ዝዓበየ ሓላፍነት ብምስካም፡ ብተወፋይነት ክብድሁዎ ዘለዎም ዕማም ምዃኑ ፈሊጦም ሓድነቶም ኣደልዲሎም ክብገሱ ከም ዘለዎም ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ጉዳይ‘ዚ እውን ኣኼበኛታት ርእይቶታትን ሃናጺ ሓሳባትን ብምልውዋጥ፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ዕማም ብኣና ብኤርትራውያን እምበር ካብ ዝኾነ ካልእ ኣካል ከይተጸበኻ፡ ከይተሓለልካ ብምቅላስ ጥራሕ ከም ዝኾነ ክፍታሕ ዝኽእል ኣስሚሮሙሉ።

ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ብዝክረ ሰማእታት ተዛዚሙ

Last modified on Tuesday, 15 January 2019 12:56