Print this page

ዝተበተነ ዓቕምና ምእንቲ ከድምዕ

2018-12-03 14:26:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2832 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ካብ ኤርትራውያን ሓሊፉ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ግጉይን ጸረ መሰረታዊ መሰላትን ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ከም ዝግበኦ ኣይኮነንዶ ንሕና ኩሎም ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን ዝሕለቑ ወገናት ዝተቐበልዎ እዩ። ናይዚ ዝተጠቕሰ ብኹሉ መልክዑ ሕማቕ ምባሉ ዝውሕዶ ህይወት ኣብ ኤርትራን ሳዕቤናቱን ኣብ እንግደዓ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ እዩ። ነዚ ምስባሩ ዘይተርፎ ኣርዑት ወጽዓ ሓምሺሽካ ኣብ ክንዳኡ ራህዋን ፍትሕን ምንጋስ ከኣ ቀንዲ ዕማምን ሓላፍነትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝብና ነዚ ከቢድ፡ ግና ከኣ ክትግበር ዝኽእል ሓላፍነት ንምፍጻም ኣጽኒዑ ክሕዞም ካብ ዝግበኦ ወሰንቲ ናይ ዓወት ኣዕኑድ ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ዓንዲ ማእከል ሓድነቱ ምድልዳል እዩ። ህግደፍ ኣብዚ ኣንጻሩ ክግበር ዝጸንሐን ቀጻሊ ዘሎን ቃልሲ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምድልዳሉ ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ስለ ዝርዳእ ንክዘርጎ ህርድግ ከም ዝብል ካብ ተመኩሮና ዝቐሰምናዮ ሃብታም ተመኩሮ እዩ።

እቲ ወሳንነት ናይ ህዝቢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ምጥርናፋትን ኣተሓሳስባታትን ዝተግሁ ዘለዉ ኤርትራዊ ኣካላት፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትና ግደ ክብደት ክወሃቦ ዝግባእ እዩ። ውድባትና ዓወቶም ክንዲ ትጽቢቶምን ዕድሚኦም ኣብ ቃልስን ንከይኮኑ ዝዕንቅፍዎም ብዙሓት ጸገማት ኣለዉዎም። እቲ ቀንዲ ጸገሞም፡ ዋሕዲ ሰዓብቲ፡ ከምዚ ክገብር እየ ዝብል ራኢ ዘይምውናንን፡ ናይ ነገራዊ ዓቕሚ ውሱንነት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገሞ በቲ ዝርካቡ ዓቕሞም ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ከሰልፍዎ ዘይምብቃዖም እዩ። ከምቲ ህግደፍ ኣብ ዘይደልደለ ሓድነት ህዝብና ክነብር ዝህቅኖ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታትና ብሓባር ዘይምስላፍ እውን ክጥቀመሉ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ብብቕዓቱ ዘይኮነ ብድኽመት ናይቶም ተቓሊስና ከነወግዶ ዝግበና እዩ ዝነብር ዘሎ እንብል ከኣ ብመጽር’ዚ እዩ። እዚ ድኽመትና እዚ ካብቲ ብዙሕ ድኽመታትና ቅድሚት ከም ዝስራዕ ከኣ ተመኩሮና ምሂሩና እዩ። ብሓባር ንስራሕ ክንብል እንከለና ብኣወዳድባ ብዙሓት ኮይና ብሓደ ናይ ሓባር መትከል ንመራሕ ማለትትና እምበር፡ ተጨፍሊቕና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንኹን ማለትና ኣይኮነን።

ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ከም ዘረደኣና ኣብ ክንዲ ነቲ ዘመሳስለና መሰረታዊ ጉዳይ ነዕኩኽ፥ ነቲ ንእሽቶ ዝፈላልየና ከነተዓባቢ ኢና ጸኒሕና። ንጉዳያት ኣብ ክንዲ ንለውጥን ንረብሓ ህዝብናን ብዘማእክል መምዘኒ፡ ብዓይኒ ናይቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ባእታታት፡ ጠባይን መነትን ብምርኣይ ብሓባር ከይንሰርሕ ክዕንቅጸና ጸኒሑ እዩ። ብዘይካዚ ንናይ ትማሊ ጌጋታት ኣብ ክንድቲ ከምኡ ንከይድገም ከም ትምህርቲ ወሲድካ፡ ዝያዳ ንቕድሚት ምምዕዳው፣ ብሕሉፍ ቂም ተቐይድካ ኣብ ክንዲ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምንጫው፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ምትኳርና ከኣ ካልእ ጸገምና ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መጻኢ ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ዕድል ከኣ ኣብዞም ጉዳያት ብእነርእዮ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛን ምቕሉልነትን ዝውሰን እዩ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝመሰረቱ ብዙሕነት፡ ናብቲ ቀንዲ መደምደምታ ንምብጻሕ መማረጺ ሓሳባት ዘምጽእ ስለ ዝኾነ፡ ዝጽላእ ዘይኮነስ ዝተባባዕ እዩ። ፍልልያት ብግቡእ እተተመሓዲሮም ዓቕሚ እምበር ዕንቅፋት ከምዘይኮኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ክንዛረበሉ ዝጸናሕና እዩ። ብብዙሓት በዚ ንሕና ሒዝናዮ ዘለና ጐደና ተጓዒዞም ኣብ ውጽኢት ዝበጽሑ ተመኩሮታት’ውን ተረጋጊጹ እዩ። ክሳብ ሕጂ ከነዕውቶ ዘይከኣልና ፍልልያዊ ሓድነት ንመጻኢ እውን እንተዘይበቒዕናዮ ዘሊልናዮ ንሓልፈሉ ኣቋራጭ መንገዲ የለን። ነዚ ዘሊልካዮ ክትሓልፍ ምፍታን ወይ ብካለኦት ክረጋገጸልካ ምጽባይ መፍቶ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉን የብሉን። እዚ ከኣ ብግምት ዝበሃል ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ዝነግረና ዘሎ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ መንእሰይ ኤርትራ እዚ መሰረታዊ ጸገም ንክውገድ ብማዕዶ “ከምዚ እንተዘይገበርኩም” በሃላይ ዘይኮነ፡ እኳደኣ ባዕሉ መሪሕ ተዋሰኣይ ክኸውን ትውልዳዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከም ኩሉ ውድባት በዚ ኣብ ቃልስና ከም ጸሊም ነጥቢ ክምዝገብ ዝኽእል ብሓባር ክትሰርሕ ዘይምብቃዕ ተመኩሮ ክሓልፍ ዝጸንሐ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና “ሕጂ እውን ኣይበቓዕናዮን እምበር ንሓቢርካ ምስራሕ መተካእታ የብሉን” ብዝብል ነዚ ዝጸውር ባይታ ንምፍጣር ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ናይ 4 ሰነ 2017 ሓድነታዊ እማመኡ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ሓቢርካ ክትሰርሕ ምብቃዕ ወሳኒ ጥራይ ዘይኮነ ህልውናን ቀጻልነትን ዝውስን፡ ንምርግጋጹ ልባዊ ተወፋይነት ዝሓትትን ግዜ ዝበልዕን ዘገምታዊ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣንፈት ኣውንታዊ ኮይኑ ኣብቲ ዝድለ ድማዕ ኣይበጸሐን። እንተኾነ ነዚ ዘሊልካ እንትኸደሉ ኣቋራጭ መዋጸኦ ስለ ዘየለ ሰዲህኤ ይደፍኣሉ ኣሎ። ካብቶም ኩነታቶም መዚኖም ኣድላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ብምዕዛዝ፡ እንተስ ክሳብ ምጽንባር ንምኻድ ወይ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ምስራሕ ምስ ሰዲህኤ ምስራሕ ኣድላይ ምዃኑ ዝተረዳድኡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ) እዩ። እነሆ ከኣ ክልቲኡ ውድባት ዝምረሓሉ ሰነዳት መርሚሩ፡ ዕላማታቱ ሓደ ክንሱ በበይንኻ ምዃን ካብ ክሳራ ሓሊፉ መኽሰብ ከም ዘየብሉ ብምርዳእ ናይ ሓባር፡ ሓባራዊ ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ጽዕጹዕ ቃልሲ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ስጉምቲ ካብቲ እንጽበዮ ሰፊሕ ናይ ብሓባር ምስራሕ ኣድላይነት መበገሲ እምበር፡ እኹል ተባሂሉ፡ ኣብ ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተደሪቱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ናይ ክልቴና ወገናት ጽኑዕ እምነት እዩ። እቲ ከዕውተና እምነት ኣንቢርናሉ ዘለና፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ዘዋህለናዮ ተመኩሮ እምበር ኣብቲ ቃልሲ ሓደስቲ ስለ ዝኾናን ሓድሽ ማይ ዘይጠዓሞ ሓሳብ ስለ ዘምጻእና ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጀሚርናዮ ዘለና መስርሕ ሓድነት ብውሱን ኣበርክቶ መሪሕነታት ዘይኮነ፡ ብመላእ መሰረታት ውድባትና ዝዕወት እዩ እሞ፡ መሰረታትና፡ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ክጽዕቱ ኣብ ርእሲቲ ድልውነቶም ንጽወዖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምስ ካለኦት ውድባት ጀሚርናዮ ዘለና እሂን ምሂን ብዘይምስልካይ ኣብ ፍረ ክሳብ ዝበጽሕ ከም እንቕጽሎን እምነትና ዕዙዝ ምዃኑ እንዳገለጽና ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ውድብ ኣብ ሓቢርካ መዋጸኦ ምድህሳስ ክንጽመድ ቅሩባት ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ። ናይ’ቲ “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብል ጭረሖና መሰረታዊ መልእኽቲ ከኣ ንሱ እዩ።

Last modified on Monday, 03 December 2018 15:30