Print this page

ቃል ሓዘን

2018-11-09 11:43:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2897 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ገብረስላሴ ማና (ጃዕመል) ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ትካላት ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ8 ሕዳር 2018 ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፎም። ኣብቲ ዝዓረፍሉ ዕለት ከኣ  ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ለቡ ቤተሰቦም፡ ፈተውቶምን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ታሪኽ ህይወቶም ከም ዝሕብሮ ብ1947 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ቤት መኻእ ዝተወልዱ ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ሰውራዊ ባይቶ ጀሚሮም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኖም ኣብቲ ምእንቲ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ነይሮም። ኣቶ ገብረእዝኣብሄር ገ/ስላሴ ኣብ ልዕሊቲ ዝነበሮም ህዝባዊ ሓልዮት፡ ነብሶም ንምኽኣል እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ መዳያት ክሳተፉ ዝጸንሑ ህርኩት ነይሮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብሞት ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ብምዃኑ ንቤተሰቦም ጽንዓት ንመዋቲ ከኣ መንግስተ-ሰማያት ይምነ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

9 ነሓሰ 2018

Last modified on Friday, 09 November 2018 12:54