Print this page

ሕጂኸ ካብ ኢሳይያስ ዘይቀበጸ ደኾን ይህሉ?

2018-11-06 09:44:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3073 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ

ብሓፈሻ ኣብ ዞናና ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ኩነታት ምስተፈጥረ ብዙሓት ኣዛረብቲ ኩነታት ተጋሂዶም። ሓደ ካብቲ ሓድሽ ዝተጋህደ ኩነታት ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ መርዛም ጉጅለን ካብ ሓደ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ሃንደበት ናብ ካልእ ኩርናዕ ምንጣር ነይሩ። እዚ ኩነታት ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ካለኦት እውን ብዙሓት ሕቶታት ዘልዕሉ ስምዒታት ፈጢሩ ጸኒሑን ኣሎን። ካብቶም ነቲ ሕቶታት ክምልሱ ትጽቢት ዝተገብረሎ ሓደ ከኣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ነይሩ። ንሱ ግና ግብሩ ፈሊጡ ንነዊሕ ግዜ ምጽቃጥ መሪጹ ጸኒሑ። ደሓር ግና እቲ ምጽቃጥ ብዝኸዶ መንገዲ መሕላፍ ምስ ከልኦ ብ3 ሕዳር 2018 ዓይኑ ተዓሚቱ ኣድሚጹ።

ክዛርብ እዩ ምስተባህለ “እንታይኮን ክብል ይኸውን?” ዝብል ሕቶታ ይለዓል ነይሩ። ናይ ብዙሓት ግምት ከም ቀደሙ ኮለል ክብል እምበር ሓድሽ ከምጽእ ዘኽእሎ ሞራል ከምዘየብሉ ዝእምት ነይሩ። ውሕዳት ዘይቀበጹ ግና ከምቲ “ነዳይሲ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ያኢ ኢሳይያስስ ሓደሽ ነገር ከምጸኣሎም ነዚ ፈሊጡ ከምዘይምለስ ዝጐበጠ ሰብኣይ ኣቀናኒዖም ሰብ ኣምሲሎም ከቕርቡ ይፍትኑ ነይሮም። “እሱራት ይፈትሑ ክብል እዩ። ዶብ ሕጂ ይጠረር ክብል እዩ። ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜኡ ክመልሶ እዩ፡ ነቲ ብምስጢር ዝንደፍ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ እዩ።” ክብሉ ጀሚሮም ነይሮም። እንተኾነ እቶም “ሓድሽ ዘምጸኦ ነገር የብሉን” ዝበሉ ሓቃቶም ምንባሮም ኢሳይያስ በቲ 4 ሕቶታት ንምምላስ ሓደ ሰዓትን ዕስራ ደቓይቕ ዝገበሮ ኮለል ኣረጋጊጽሎም። እቶም ካብ ኢሳይያስ ሓድሽ ዝተጸበዩ ከኣ እነሆ ማይ ሓቚኖም ተሪፎም። ንመን ክድግፉ ከም ዝጸንሑ ከኣ ነብሶም ክሓኩ ግዜ ይሓቶም ኣሎ።

ኢሳይያስ ዝሃቦ ቃለ-ምልልስ ኣይኮነንዶ ሰማዒ ኮይንካ ክትርደኦ፡ ንዓኡ እውን ይርደኦ ነይሩ ክትብል ዘጸግም እዩ። ቃላት መመሪጹ እዩ ዘውጽእ ነይሩ እምበር፡ እቲ ቃላት ተደሚሩ ዝህቦ ጠላሕ ዝብል ትርጉም ኣይነበሮን። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ ግና፡ ምስ ትጽቢት ህዝቢ ዘየሳኒ፡ ካብ እዋናዊ ኣጀንዳ ዝረሓቐ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ብቐጥታ ዘይምልስ፡ ኮነ ኢልካ ከምቲ “ንግበሮሞ ኣይነጸብቆ” ዝበሃል ህዝቢ ንምትላል ዝተሃንደሰ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ምናልባት እተን ካብቲ ዓቕሊ ጽበትን ምድንጋር ዝዓብለሎ ዓጀውጀው ኣዋጺእካ ክትርደአን እትኽእል ሓሳባቱ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጋኣና ጉዳይ ዶብ ኣይኮነን፡ ጉዳይ ዶብ እንተዝነብር ብልዝብ መተፈትሐ፡ ሎሚ ምስ ኢትዮጵያ ስኒት ፈጢርና ዘለና ኢትዮጵያ ንውሳነ ዶብ ብዘይቅድመኩነት ተቐቢለዮ ስለ ዝበለት ኣይኮነን፡ ጉዳይ ዶብ ኣብቲ ዓብይ ኣጀንዳ ንእሽቶ ነጥቢ እዩ፡ ሎሚ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ትስፉው ኩነታት ክስምሙ (ከበላሽዉ) ዝደልዩ እዮም፡ ሎሚ ብዛዕባ 480 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና።” ዝብላ ንኹሉ እቲ ዳርጋ ን20 ዓመታት ክግዕረሉ ዝጸንሐ ዝዓጽፋ ሓረጋት እየን። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኡስ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ኣየልዓልናዮን” ዝበሎ ከኣ ጽቡቕ ገይሩ ኣረጋጊጽሉ። ስለዚ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ፡ ቅርኑ ጥራይ ዘይኮነ ቅርኒ ናይቶም “ኢሳይያስ ነቲ ደቅናን ኣሕዋትናን ንዝተሰውእሉ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ሸለል ክብሎ እዩ ምብላ እሞ ዘበት እዩ” ዝብሉ ዝነበሩ እውን እዩ ሰሊዑ ደርብይዎ።

እንግሊዛዊ ጸሓፍን ተመራማርን ማርቲን ፕላውት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ “ ታሪኽ ኢሳይያስ፡ ታሪኽ ድኹም ውሳነን ድኹም ውጽኢት እዩ፡ ኣብ ግዜ ፕረሲደንትነቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰዱ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን፡ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሚእቲ ሺሕ ስደተኛታት ዝፈጢሩ፡ ኣብ ሰለስተ እዉጃትን ክልተ ዘይእዉጃትን ውግኣት ዝኣተወ መራሒ’ዩ።” ዝበሎ ከኣ ብዝተወሰነ መልክዑ ንግዕዙይ ኣካይዳዚ ሰብኣይ ዝገልጽ ኣበሃህላ እዩ።

እምበኣር፡ ኢሳይያስ ከምዚ ዝገብር ዘሎ፡ ኮነ ኢሉ ንኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ እምበር፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ቁምነገር ከይገበርካ ናብ 480 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ምምጥጣር ብኹሉ መለክዒ ግጉይ ምዃኑ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ከምቲ ኣባ ተኽለሚካኤል ዝበልዎ፡ ቀዳማይ ድሌት ኤርትራውያን ልኡላውነት ናይታ ደቆም ዝወደቑላ ኤርትራ እምበር ፊኖን ስሚንቶን ከምዘይኮነ፡ ጠፊእዊ ኣይኮነን፡ ልኡላውነትና ይነጸር ንዝብሉ ሰመምቲ (ኣባላሸውቲ) ዝብሎም ዘሎ። እዝን ካልእ ኣበሃህላኡን ከኣ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ናቱ ስዉር ጸኒሑ መመሊሱ ዝገሃድ ዘሎ ኣጀንዳን በበይኑ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ህዝቢ ኣንጻር ድሌቱ ኣብ ልዕሊ ዝኸይድ መራሒ እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦ ከኣ ኣይኮነንዶ “እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሉ ተቓሊሱ ንዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእ’ውን ብሩህ እዩ። ነዚ እንዳረአኻ ሎሚ’ውን ኢሳይያስ መራሒ ኤርትራን ህዝባን እዩ ኢልካምስናዩ ግና ከምቲ “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላ”ዝበሃል እዩ ክኸውን።

ኢሳይያስ ናይ ኤርትራ፡ ኤርትራ ከኣ ናይ ኢሳይያስን ግጅለኡን ከምዘይኮኑ በሪሁ እዩ። ንኢሳይያስን ጉጅለኡን ብሰንኪ ገበናቶም ኣብ ልዕሊ መላእ ኤርትራን ህዝባን ናቶም ምሃብ ንቡርኳ እንተኾነ፣ ደጊም እቲ ፍታሕ ንዓኣቶም ብምርጋምን ብምኹናን ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ብግብሪ ብመሰረቱ ካብም ዝሓሽካ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ኢሳይያስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክመጸሉ ዝጸንሐ ዘይጥዑይ ኣገባብ፡ ብዘየዳዲ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ምዃኑ ብዘይሕብእብእ ኣርእዩና ኣሎ። እቲ ዝተርፍ መልሲ ካብ ህዝብናን ካባናን እዩ። እቲ መተካእታ ዘየብሉ መልሲ ከኣ፡ ብሓባር ኮይንካ እንተላይ ክሳብዚ ቀረባ ደግፍቱ ብዝነበሩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ምሕያልን ምሕያልን ጥራይ እዩ።

Last modified on Tuesday, 06 November 2018 10:50