Print this page

ሰለስተ ኤርትራዊ ውድባት ናብ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰል ናይ ሓባር መዘክር ኣቕሪበን

2018-09-19 08:01:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3816 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብቲ ብ18 መስከረም 2018 ናብ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ሚቸለ ባቸለት ዝተላእከ ናይ ሰለስተ ኤርትራውያን ውድባት መዘክር፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ጥንኩር ምቁጽጻር ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ጠቒሱ፣ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍጽሞ ዝጸነሓ ጭካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ተሓታቲ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣስፊሩ።

እቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኖዮ ጉተረዝን ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃዋት እውን ብቅዳሕ ዝተላእከ መዘክር፥ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዘገድሰን ዓለም ለኻውን ዞባውን ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ግዱድ ዕስክርና ንከቋርጽ ካብ ምሕታት ሓሊፈን ካብኡ ንላዕሊ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።

Three Eritrean Organizations Send Memo to UN docx 1

ኤርትራዊ ውድባት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ኣብ “ተሪር ምቁጽጻር ክኣቱ” ይሓታ

እዚ ኤርትራዊ መልእኽቲ ንጉጅለ-15ን ነቶም ብ17 መስከረም 2018 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ’ውን ዝተሓወሶም ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን እሱራት ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብ2016 ብመርማሪት ኣካል ሰብእዊ መሰል ኤርትራ ዝተበጽሐ፣ መደምደምታን ለበዋታትን ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጸዊዑ።

እዚ ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ን ዝተላእከ ናይ ሓባር መዘክር፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰደቓ ብሕቡእ ዝኸይድ ዘሎ፣ ናይቲ ውክልና ህዝቢ ዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ብምስትብሃል፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ በቲ ድምጺ ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት የብሉን።

እዚ ናይ ሓባር መዘክር ኣትሪሩ ከም ዘስፈሮ፣ ሰላም ቀይሕ ባሕሪ ኮነ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብሰላም ኣብ ሃገርካ ክጅምር መተገብኦ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ከምኡ ከምዘይኮነ ኣስፊሩ።

Last modified on Wednesday, 19 September 2018 10:09