Print this page

መግለጺ ወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018

2018-08-25 20:49:54 Written by  ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018 Published in EPDP News Read 3061 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ፍራንክፎርትዝ ተኻፈላ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትንከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መጋባእያ ዘቕረበኦ መደረታት፣ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድራር ግብጃ ዝበጸሐኦ ስምዕ፣ ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተ  (panel discussion) ቀሪበን፡ ዝሰዕብ መግለጺ ሂበን።

ወከልትን መራሕትን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪውያን ማሕበራትን ዝአከበ መኣዲ ዘተ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ፈስቲቫል ብኩሎም ወከልቲ ዝተዋህበ መደረታት፣ ዝመሳሰልን ነንሕድሕዱ ዝመላላእን ምንባሩ ገምጊሙ። ነኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ብመድረኽ ሃገራዊ ልዝብን ዝተበገሰ መጸዋዕታታት ንምውህሃድ ቀጻሊ ርክብን ዘተን ክካየድ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ድማ ኣስሚርሉ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ጉዳይ ዶብ ጎስዩ ዝኸይድ ዘሎ ስምጥለምትን ክድዓትን ስርዓት ህግዲፍ ዘግህድ ተረኽቦ ምዃኑ መዚኑ።

ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018

3-5 ነሓሰ 2018

Last modified on Saturday, 25 August 2018 23:35