Print this page

መደረ ዶ/ር ክላውስ ዲተር ግሮተ (ሰልፊ ሓምላይ ጀርመን)

2018-08-04 14:02:32 Written by  Festival committee Published in EPDP News Read 3018 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን  

ከም ፖለቲካዊ ብጻይን ከም ወኪል ሰልፊ ሓምላይ (Bündnis 90/Die Grünen) እየ ተዓዲመ ዘሎኹ። ከም ወኪልን ፖለቲከኛን ብጻይን ድማ ናይ ልቢ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ሰልፍና ይኹን ኣነ ኣብ ጎኒ ኩሎም ንፍትሕን ንመሰል ደቂ ሰብን ዝቃለሱን ከምኡ‘ ውን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደው ክንብል ምኻና ነረጋግጸልኩም።

ከምቲ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዕርቂ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ናይ ዕርቂ መስርሕ ግን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጢ ክምጽእ እዩ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ ግን: እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንመላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዉሑዳት ብጾቱን ዘገልግል እዩ። ነታ ሃገር እውን ጨዉዮማ እዮም።

ብርግጽ ኣብዞም ዝመጹ ዘለዉ 10 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ከብቅዕ ምኻኑ ርዱእ እኻ እንተኾነ: መላኺ ኢሰያስ ግን ብፍርሒ ዝተገዝኤ ሰብ ስለዝኾነ: ንኡ ዝትክኦ እውን ከዳሉ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል: ኣብ ደገ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ደንበ ተቓዉሞ: ብሓባር ነዛ ዕለት ክዳሎን ሓላፍነት ክስከምን ኣለዎ። ኣነ እውን ብዝተኻእለኒ መጠን ክተሓባበርን ክሰርሕን ድሉው እየ።

ናይ ሎሚ ሰሚናር ዛዕባ „ናይ ትምህርቲ ድሕሪ ባይታ ዘይብሎም መንእሰያት ስደተኛታት ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ጀርመን ይወሃሃዱ?“ ዝብል እዩ።

ከም ናይ ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም: ንነዊሕ ዓመታት ንብዙሓት ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ኣገልግሎት ሂበ እየ። ኩነታት ኤርትራ ብዝያዳ ስለ ትፈልጥዎ ብዕምቆት ምግላጽ ኣየድልን እዩ። ግን ብሓርፋፍ ምልካዊ ሂወት ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ዘስዕቦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክገልጽ እየ።

ብዙሓት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭኮና: መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስቅያትን ኣብ ዓዶም ገዲፎም፣ ምድሪ በዳ: ሊብያ ከምኡ እውን ባሕሪ ጥሒሶም ንኤውሮጳ ይኣትዉ።

ወላ እውን ስድራ-ቤታዊ ኣተዓባብያን ሂወትን ንጠባይ ቆልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዃ እንተኾነ: ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን: ኣተዓባብያን ሂወትን መንእሰያት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. እኹል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ቁልዕነት ስለ ዘይርከብ: ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ኤርትራ እኹል ናይ ኣካላትን ሓንጎልን ምዕብልና ስለዘብሎም: ትምህርቲ ክከታተሉ ጸገም ኣለዎም። ብቀጻሊ ዝረኣዩ ሕማማት እውን የጥርዩ።
  2. ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብጣዕሚ ትሑት እዩ። ብዙሓት መምሃራን እውን ካብ ሃገሮም ስለተሰዱን: ብዙሓት ተማሃሮ እዉን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ከይከዱ ብምባል: ትምህርቲ ብግቡእ ኣይከታተልዎን እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ: ብዙሓት መንእሰያት ስደተኛታት ቛንቛ ጀርመን ክመሃሩን ስሩዕ ትምህርቲ ክከታተሉን የጸግሞም።
  3. ብሰንኪ ውትህድርና: ብዙሓት ቆሉዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ኤርትራ ብዘይ ኣቦ ይዓብዩ። በዚ ምኽንያት እዉን ጉድለት ስድራ-ቤታዊ ሂወት ኣሎ። ጠንቁ ድማ: ስእነት ስሩዕ ሂወትን ጉድለት ኣኽብሮትን እዩ።
  4. ብፍላይ ንሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝትንክፎምን ሂወቶም ኣብ ጀርመን ንኽሰርዑን ዘጸግሞም: ዘይምትእምማምን ጥርጠራን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣሕዋት: ኣደ: ኣቦ: ቆልዑ: ነንሕድሕዶም ከይተኣማመኑን ከምዝፈርሑን ገይርዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ዝሕግዝዎም ዝተሓባበርዎን ጀርመናውያን እምነት የብሎምን። ሓጋዚ ምኽሪ ናይ ዝኣልይዎምን ዝተሓባበርዎምን እዉን ኣይቅበሉን።
  5. ኣብ መደምደምታ: ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ንቡዙሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘጓንፎም ምጥቃስ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኩሉኻትኩም ዘይትስሕትዎ: በቲ ዝሕለፍዎ ሕማቅ ተመኩሮን: ስቅያትን: መግረፍትን ኣብ ውትህድርና ይኹን ኣብ ምድሪ-በዳ: ኣብ ሊብያ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ: ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ዘይምድቃስን ፍርሕን ኣሕዲሩሎም። እዚ ሕማቅ ተመኩሮ ግን: ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ሰላም ድሕሪ ምንባር: ክሓዊ ይኽእል እዩ። ውሱናት ሰባት ግን: ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና የድልዮም እዩ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የቀንየለይ

ዶ/ር ክላውስ ዲተር ግሮተ

Dr. Klaus-Dieter Grothe

Last modified on Saturday, 04 August 2018 16:05