ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን
ከም ፖለቲካዊ ብጻይን ከም ወኪል ሰልፊ ሓምላይ (Bündnis 90/Die Grünen) እየ ተዓዲመ ዘሎኹ። ከም ወኪልን ፖለቲከኛን ብጻይን ድማ ናይ ልቢ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ሰልፍና ይኹን ኣነ ኣብ ጎኒ ኩሎም ንፍትሕን ንመሰል ደቂ ሰብን ዝቃለሱን ከምኡ‘ ውን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደው ክንብል ምኻና ነረጋግጸልኩም።
ከምቲ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዕርቂ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ናይ ዕርቂ መስርሕ ግን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጢ ክምጽእ እዩ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ ግን: እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንመላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዉሑዳት ብጾቱን ዘገልግል እዩ። ነታ ሃገር እውን ጨዉዮማ እዮም።
ብርግጽ ኣብዞም ዝመጹ ዘለዉ 10 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ከብቅዕ ምኻኑ ርዱእ እኻ እንተኾነ: መላኺ ኢሰያስ ግን ብፍርሒ ዝተገዝኤ ሰብ ስለዝኾነ: ንኡ ዝትክኦ እውን ከዳሉ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል: ኣብ ደገ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ደንበ ተቓዉሞ: ብሓባር ነዛ ዕለት ክዳሎን ሓላፍነት ክስከምን ኣለዎ። ኣነ እውን ብዝተኻእለኒ መጠን ክተሓባበርን ክሰርሕን ድሉው እየ።
ናይ ሎሚ ሰሚናር ዛዕባ „ናይ ትምህርቲ ድሕሪ ባይታ ዘይብሎም መንእሰያት ስደተኛታት ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ጀርመን ይወሃሃዱ?“ ዝብል እዩ።
ከም ናይ ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም: ንነዊሕ ዓመታት ንብዙሓት ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ኣገልግሎት ሂበ እየ። ኩነታት ኤርትራ ብዝያዳ ስለ ትፈልጥዎ ብዕምቆት ምግላጽ ኣየድልን እዩ። ግን ብሓርፋፍ ምልካዊ ሂወት ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ዘስዕቦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክገልጽ እየ።
ብዙሓት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭኮና: መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስቅያትን ኣብ ዓዶም ገዲፎም፣ ምድሪ በዳ: ሊብያ ከምኡ እውን ባሕሪ ጥሒሶም ንኤውሮጳ ይኣትዉ።
ወላ እውን ስድራ-ቤታዊ ኣተዓባብያን ሂወትን ንጠባይ ቆልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዃ እንተኾነ: ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን: ኣተዓባብያን ሂወትን መንእሰያት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የቀንየለይ
ዶ/ር ክላውስ ዲተር ግሮተ
Dr. Klaus-Dieter Grothe