Print this page

ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሰፍ ዘይብል ቀጻሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣቃሊዑ

2018-06-27 20:03:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3489 times
Rate this item
(0 votes)

ወይዘሮ ላ ቢ ኪታሩ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ጸብጻበን ናብቲ ብ26 ሰነ 2018 ኣብ ጀነቫ ዝተጋበአ መበል 38 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ቀጻሊ ግህሰት ኣቃሊዐን።

እቲ ኣገራሚ ጸብጻበን ኣብታ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዝተኣገደላን ግፍዒ፡ ዓመጽ፡ ዓማሚ ማእሰርቲ፡ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ኣተሓሕዛ እሱራት ዝዝውተራን ኤርትራ ዝኾነ ንሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ዝምልከት ለውጢ ከምዘየለ ኣቃሊዑ።

ንሰን እቲ ዘሕዝን ኩሉቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ካልእ በደላትን፡ ግቡእ ግምት ይወሃቦ ይወሃቦ የለን ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዓመጸኛ ጉጅለ 90 ጋዜጠኛታት ኣሲሩስ ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ኣብ ዘይፍለጡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይሓቁ ኣለዉ ኢለን።

እዘን ዳርጋ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ናይ ኣገልግሎት ግዜአን ዝውደኣ ዘለዋ ወይዘሮ፡ ሕቡራት ሃገራት ተልእኮ ናይቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከቶ ኣካል ንከናውሕ ጸዊዐን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ውሳነታትን ለበዋታትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንከተግብር ጸዊዐን። ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ሃገራት ልኡኻት ነቲ ናይ ወይዘሮ ኪታሩዝ ጸብጻብ ዝድግፍ ርኢቶታት ሂቦም፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ኣቓልቦ ንክግበረሉ ተላብዮም።

ኣብዚ መበል 38 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝነጥፉ ኤርትራያን ተሳቲፎም፡ ቆላሕታ ክወሃቦም ዝግበኦም ኤርትራዊ ጉዳያት ከኣ ኣጕሊሖም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብ25 ሰነ 2018 ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ዝተማእከለ ተዛማዲ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተዐመመ ስረሓትን ኣብ መጻኢ ኣብዚ መዳይዚ ከጋጥም ዝኽእል ብደሆታትን ዝምልከት ዳህሳስ ተኻይዱ። ካለኦት ኤርትራውያንን ንጉዳይ ኤርትራ ዝሕግዙን ወገናትን ከኣ ብኣቶ ረዲ ኣብዩ ካብ ዓባይ ብሪታንያ እናተመርሑ ብ26 ሰነ 2018 ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዚ ኣኼባዚ ንኤርትራ ዝምልከት ሓደስቲ ምዕብልናታት ብማሕሙድ ኣደምን ኢብራሂም ካቡሽን ካብ ማሕበር መታሕት ኤርትራ ከምኡ እውን ብእስማዒል ገባይታ ካብ ማሕበር ሰብኣዊ መሰል ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ መብርህታት ተዋሂቡ። ኣብዚ መብርሂ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ጉዳይ መሬት ኣብ ክልቲኡ ከባቢ ክኸውን እንከሎ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኤርትራ ጉዳይ መሬት ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ። ውይዘሮ ቢ ኪታሩዝ ከኣ ኣብዚ ጐኒንጐኒቲ መበል 38 ኣኺባ ባይቶ ዝተኻየደ ክልቲኡ ኣኼባታት ተኣስቲፈን።

ኣብ መወዳእታቲ ናይ 26 ሰነ 2018 ኣኼባ ብዙሓት ኤርትራውያን ግዱሳት ምስ ወይዘሮ ኪታሩዝ ናይ ድራር እንግዶት ኣካይዶም። ኣብዚ ናይ ድራር እንግዶት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብስም ኩሎም ኣበርቶአን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝንእዱ ሕቋፍ ዕንበባን ንኤርትራ ዘንጸባርቕ መዘከርታን ሂቦም።

Last modified on Wednesday, 27 June 2018 22:32