Print this page

መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ ህልዊ ምዕባለታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

2018-06-25 11:04:46 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 3325 times
Rate this item
(1 Vote)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ጐንጺ፡ ብሰላምዊ ኣገባብ ክፍታሕ ክቃለስን ክድግፍን ከምዝጸንሐ መርገጻቱን ሰነዳቱን ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ፡ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ንጐንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ተባዕን ቅኑዕን ተበግሶ፡ ሰዲህኤ ናእዳኡን ደገፉን ይገልጽ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኢህወደግ ንእሱራት ምፍታሕ፡  ንተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታንን ሲቪላዊ መማሕበራትን፡ ናይ ዜና ትካላትን ንምስታፍ ዘኽእል ባይታ ንምስፋሕ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጕምትታት ናእዳኡ ይገልጽ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ለውጢ ንምትዕንቃፍን ኣብ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ንምእታውን ብዕለት 23 ሰነ 2018 ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንደገፍ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተባሂሉ ኣብ ዝተጸውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተደርበየ ቦምብ ብመን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ናይ ሽበራ ስጕምቲ ስለዝዀነ፡ ብትሪ ንዅንኖ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከይተጐድኡ ምውጻኦም ሓጐስ ይስምዓና፡ እቶም በዚ ናይ ራዕዲ ተግባር ዝተጐድኡን ዝሞቱን ድማ ጓሂናን ሓዘናን ንገልጽ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ተበግሶ ተቐቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምውሳኑ ሰዲህኤ ከም ኣወንታዊ ስጕምቲ ብምውሳድ እናደገፈ፤ እቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ፡ ፍቕሪ፡ ዘምጽእ ግን፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ባይታ ዘስፍሕ፡ ቅዋምን ቅዋምነትን ዘረጋግጽ፡ ፍትሕን ግዝኣተሕግን ዘንግስ ምሕደራ ምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዓት፡ ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዘርብሕ፡ ንሰላም፡ ርግኣት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘስፍን ደኣ’ምበር ንዝበለየ ምልካዊ ኣሰራርሓን ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባራትን ዘገልግል ከይኸውን ንምሕጸን።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነህዛብ ክልቲኡ ሃገራት፡ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ዝጸንሖ ሕውነታዊ ዝምድናታት ንምሕላው ኣበርቲዖም ክሰርሑ ንጽውዕ። ኣብ መንጐ መንግስታቶም ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ድማ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክርእዩን ንህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጋጩው ኣንፈታት ከይሕዙን ምጥንቃቕ ከምዘድልዮም ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይንገስ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

24 ሰነ 2018

Last modified on Monday, 25 June 2018 13:07