Print this page

ሰዲህኤ ላዕለዋይ ኮምስዮን ጉዳይ ስደተኛታት ሓለዋኡ ኣብ እስራኤልን ሊቢያን ዘለዉ ስደተኛታት ከዛይድ ጸዊዑ

2018-06-07 06:05:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2629 times
Rate this item
(0 votes)

ነቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ` ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ጐንጺ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ንኣብ እስራኤልን ኩሉ ሓደገኛ ኩርነዓት ዓለምን ዘለዉ ሓለዋ ዘድልዮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገብሮ ሓለዉኡ ከዛይድ ጸዊዑ።

ጸብጻባት ከም ዝሓበሮ፡ ደገፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብዘሳወሮ ግጭት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ተልኣቪቭን ማላኪን ኣብ ልዕሊ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ጉድኣት ኣጋጢሙ። ኣብቲ ጐንጺ ካራሩን ኣእማንን ከም ዝተዘውተረ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ብ4 ሰነ 2018 ከኣ ቀጻሊ ናይ ገዛገዛ ምድፋእ ተኻይዱ። ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ብሰንክቲ ግጭት ካብ ደገፍቲ ህግደፍ 13 ካብ ተቓወምቲ ከኣ 3 ስደተኛታት ንክሕተቱ ተኣሲሮም ኣለዉ።

ናይቲ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝተላእከ መዘክር ሰዲህኤ ቅዳሑ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ዘለዋ ኤምባሲታት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ናብ ዝርከብ ልኡኽ እስራኤል ቅዳሑ ተላኢኹ እዩ። እዚ መዘክር ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራ ናይ ግጭትን ምፍልላይን ማሕበረሰብ ኤርትራ ጠንቂ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ካብ ገበነኛታት ሓለዋ ምግባር ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣስፊሩ።

ምስዚ ሰዲህኤ ኣብዚ መዘክሩ፡ እስራኤላውያን ሓለፍትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶምን ኣብ ልዕሊ’ቶም “ስደተኛታት” ብዝብል ጉልባብ ንመንግስቲ ኣስመራ ዝድግፉ ናብቲ ዝቖጸሮም መንግስቲ ክመልስዎም መሰረታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።

እቲ መዘክር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ካልእ ከባብታት’ውን ኣሻቓሊ ምህላዉ ኣመልኪቱ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንግዳያት ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ንዘለዉ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ቅትለት ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ሊቢያ ባኒዋሊድ ዝበሃል ቦታ ዝደሓኑ 140 ኤርትራውያን ዝገብሮ ደገፍ ንከዛይድ ተማሕጺኑ።

Last modified on Thursday, 07 June 2018 08:11