Print this page

ብምኽንያት ምቛም ሓድሽ ሰልፋዊ ስርርዕ ኣብ እስራኤል ናይ ዞባታት ምልላይ ኣኼባ ተኻይዱ

2018-06-03 17:51:00 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 3680 times
Rate this item
(0 votes)

 

ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዝጸውዖ መሰረት፡ ቀዳም 02 ሰነ 2018 ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ሰዲህኤ መላእ ዞባታት ናይ ምልላይ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ወከልቲ ምምሕዳራት ኣብያተ ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፣ መንእሰያት፣ ውደባን ዜናን፣ ዞባታት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ኣውስትራልያ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን መሪሕነታዊ ልኡኽ ሰልፊ ናብ እስራኤል ክኾኑ እንከለዉ ብሕጋዊ ኰነ ተክንካዊ ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ድማ ወከልቲ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ነበሩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣኼባ፡ ነቲ ዑደት ልኡኽ መሪሕነት ናብ እስራኤል ዘሰላሰሎ ዕዉት ስርርዓዊ ዕዮ ንምኽላልን፡ ኣብ ዞባ እስራኤል ዝቖመ ሓድሽ ውድባዊ ምምሕዳር ምስ ዞባታትን ምምሕዳዳራዊ ትካላትን ንምልላይን እዩ።

እዚ ኣኼባ ብሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ወ.ሮ ኣድያም ተፈራ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ሓላፊ ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ድማ ንዕዉት ዑደት እስራኤል ድሕሪ ምምጓስ ብዛዕባ ስርርዕ ሰልፍን፡ ንምንታይ ከም እንቃለስን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መደረኡ፡ ንፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ ብምጥቃስ “ሰዲህኤ ማለት ንህዝቢ እሙን ምዃን ማለትዩ። ተኣማንነት ሰዲህኤ ነቲ መግዛእቲ ድሕሪ ምስዓር የብቅዕ ዝበልናዮ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ከም ሃገር ዝበሃግናዮ ግን ዘየረጋገጽናዮ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና ንምርግጋጽ ኣብ ምቅላስ እዩ ዝምርኰስ፤ ብመሰረቱ ጸረ ድንቁርና ሕማምን ድኽነትን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ሰልፍና ንህዝቡ እሙን እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ቀዳማይ ዕማም ንምልኪ ምስዓር ብምኻኑ፡ ምእንቲ’ዚ ንውደብ ምእንቲ’ዚ ድማ ስሩዕ ናይ ቃልሲ ህይወት ንመርሕ” ክብል ኣብሪሁ። ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ነቶም ኣብ እስራኤል ተወዲቦም ኣካል ስድራ ቤት ሰዲህኤ ኰይኖም ቃልሲ ኣበጊሶም ዘለዉ ዮሃና እናበለ ጽቡቕ ሌላን ዕዉት ናይ መጻኢ ሓባራዊ ስራሕን ተመንዩ።

ድሕሪ መግለጺ ኣቶ ተስፋይ ነቲ ንኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ክፈልጥን ምስኦም ክራኸብን ዝተላእከ፡ ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎንን ኣቶ ትኩእ ተስፋይን ዝቖመ ልኡኽ መሪሕነት ዕድል ተኸፊቱ። ነዚ ዕድል’ዚ ብምጥቃም ኣቶ ትኩእ ተስፋይ በቲ ማራኺ ኣቀራርባኡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ኣስራኤል ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝተኻየደ ዕዉት ዑደት ድማ ብፍላይ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ኣብ ሃገር እስራኤል ምስቲ ኩሉ ዘጋጥሞም ጸገማት፡ ንኩሉ’ቲ ንህላዌኦም ዝደናደን ኩነታት በዲሆም ክምህ ከይበሉ ንቃልሲ ዝዓጠቑ ውፉያት ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ነቶም ኣባላት ሰልፊ ከይኖም ተወዲቦም ከይተሓለሉ ዝቃለሱ ዘለዉ ድማ ኣመጒሱ።

ቀጺሉ ኣቶ ጸጋይ ተስፋይ ካብ ዞባ እስራኤል ነዚ ናይ ሌላ መድረኽ ድሕሪ ምንኣድ፡ ንሃለዋት ዞባ እስራኤልን ነቲ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰዲህኤ ስርርዓትን ብምምልካት፡ ዕዉት ዕማማት ንምክያድ ዓጢቑ ከም ዘሎ ብሰፍሓት ኣብሪሁ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ሌላ መድረኽ ነተሳተፍቲ ኣኼባ ተኸፍተ’ሞ፡ ወከልቲ ምምሕዳራት ኣብያተ ጽሕፈት፡ መሪሕነት ዞባታት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ብተርታ ዕድል ብምርካብ ንመንነቶም፡ ሓፍነቶም፡ ትካላቶምን ዘሰላሰልዎ ኣሳልጦታትን ገለጹ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ክሳተፉ ዘይከኣሉ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ፣ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳቕ ወልደማርያም፣ ኣባል መሪሕነታዊ ልኡኽ ናብ እስራኤል ወ.ሮ ፈቨን ገዲዎን፣ ከምኡ’ውን ወከልቲ ካብ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ተገሊጹ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ምዉቕን ልዙብን ኣኼባ፡ ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ክቕጽል ለበዋታት ካብ ኣኼበናታት ድሕሪ ምትሕልላፉ  ወ.ሮ ኣድያም ተፈራ ናይ መፋነዊ ቃል ድሕሪ ምሃብ ኣኼባ ተዛዘመ።

Last modified on Sunday, 03 June 2018 20:01