Print this page

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ካልኣይ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-05-04 07:15:19 Written by  ሽማግለ ፈስቲቫል Published in EPDP News Read 3368 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 1.05.2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2018 ካልኣይ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ካብ ዘሎው ትሽዓተ ኣባላት ማሕበርን ሰልፍን ዝቆመት ሽማግለ ኮይና፡ ቀንዲ ዕማማ ድማ፡ ነቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጅርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን፣ ኣብ ፍራንክፈርት ህዝብን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምርኻብ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ንምርላዛብን ሓሳባቶም ንምልውዋጥን ዝካየድ ዓምታዊ በዓል ኤርትራ ንምዕዋት ድሮ ስርሓ ጀሚራ ትርከብ።

እዚ ብዕለት 01 ጉንበት 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ ሽማግለ፣ ብኣቦ-መንበር ሽማግለ ኣቶ ተስፋማርያም ክብርእብ ተኸፊቱ። ኣኼባ ንኣጀንዳታቱ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርኣይ፣ ክሳብ’ቲ ዕለት’ቲ ዝተሰላሰሉ ዕማማት ገምጊሙ። ድሕርዚ ንዝትረፉ ዕማማት ንምስልሳልን ኣብ ምሉእ ፍጻመ ፈስቲቫል ንምብጻሕን ሽማግለ ኣብ ውሽጡ ነብሰ ስርዕን ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓቖፈ ምምቅቃል ዕዮን ገይሩ፣ ናይ ስራሕ መደባቱ ሰሪዑ ተበጊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት፣ ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣብ ቦኮንሃይም ቫርተ ዝርከብ ኣደራሽ ናይቲ ዩንቨርስቲ ፡

Die Studierendenschaft der Johann Wolfgang Goethe – universität

Mertonstr. 26 – 28 60325 Frankfurt a. Main

ካብዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 (August 03 – 05.2018) ኣብዘሎ እዋን ክጋባእ እዩ።

ሽማግለ ፈስቲቫል 2018

Last modified on Friday, 04 May 2018 09:24