Print this page

ሰዲህኤ፡ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕ.ሃ ብጉዳይ ኤርትራ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክዘራረቡ ኣዘኻኺሩ

2018-04-28 07:54:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2613 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ናብ ዘካየዱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ዛይድ ኣል ሁሴን መዘክር ልኢኹ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዘክሩ እቶም ኮሚሽነር ንሕብረት ኣብፍሪቃ ብዛዕባቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ካብ መጀመርያ 1990ታት ጀሚሩ ንክከታተሎ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኩነታት ሕሰምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኤርትራ ንከዘኻኽርዎ ጸዊዑ።

እዚ ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማህማት ቅዳሑ ዝተላእከ ናይ 26 ማዝያ 2018 ህጹጽ መዘክር ሰዲህኤ፡ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብመንጽርቲ ውጽኢት መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላታን ጥሕሰታት ሕግን ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብእዊ መሰላት ብገበን ዝሕተቱ ኣካላት ሓላፍነት ዝወስድሉን ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝሕተትሉን ኣገባብ ከነጽር ይግበኦ ነይሩ ኢሉ።ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንጽርቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዓመት ዓመት ዝቐርብ መተሓሳስብታት ክሳብ”ዚ ግዜዚ ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰደን።

ኣቶ ዛየድ ኣል ሁሲየንን ኣቶ ፈቂ ማሃማትን ብ24 ማዝያ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ርክብ ከም ሓደ መርኣያ መደልደሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝውሰድ እዩ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ክልቲኡ ኣካላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ንምክልኻል መሰረት ዘንብር እዩ።

Last modified on Saturday, 28 April 2018 10:00