Print this page

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ውሳኔ መንግስቲ እስራኤልን ሕቡራት ሃገራትን

2018-04-03 11:08:59 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2437 times
Rate this item
(0 votes)

እስራኤል፡ ነቲ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ንምብራሮም ሒዛቶ ዝነበረት ውጥን ሰሪዛ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛ ትካላት ብዝገበረቶ ስምምዕ መሰረት ካብ 16,000 ስደተኛታት ንላዕሊ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም፤ ነቶም ብግብጺ ብእግሮም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቝባ ድማ ብውሑዱ ን5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ምፍቃዳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዓቢ መስተርሆት ብምቝጻር፡ ንኽልቲኦም ሸነኻትን ነተን ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል ድልውነተን ዝገለጻ መንግስታት ኣውሮጳን ህዝበንን ብሓባር ምስጋናኡን መጐሱን ክገልጽ ይፈቱ።

እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ነቲ ንመጻኢ ዕድል እቶም ስደተኛታት ኣጸልሚቱ ዝጸንሐ ድነ ዝቐንጠጠ፡ ነቲ ተስፋ ምቝራጽ ብሓድሽ ናይ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዝተክአ፡ ንንግዲ ደቂ ሰባት ዘካይዱ ጐሓላሉ ውልቀሰባት፡ ውድባትን መንግስታትን ዝዓጸወን ምስ’ቲ ሰዲህኤ ንስደተኛታት ኣመልኪቱ ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይሕለል ጻዕርታት ዝሳነን ስለዝዀነ ደረት ዘይብሉ ደገፍናን ሓጐስናን ክንገልጽ ንፈቱ። ነቲ ን5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ተፈቒዱሎም ዝብል ውሳኔ ድማ፡ መንግስቲ እስራኤል ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ንጽውዕ። ምኽንያቱ፡ ምምላስ ናይ ስደተኛታት ምስ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝህሉ ወድዓዊ ኵነታት ናይ’ታ ዝተሰደዱላ ሃገር ዝዛመድ ጕዳይ ስለዝዀነ ኢዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ዝገብር ዘሎ ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ሓዉ ትኩእ ተስፋይን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፍና፡ በቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት “ርሑሳት እግሪ” ዝብል ቅጽል ስም እናተዋህቦ፡ ተቛደሳይ ሓጐሶምን ዕድመታቶምን ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ሓጐስ’ዚ ብክብ ዝበለ ባህላዊ ምሸት ንምጽንባሉ እውን ጻዕርታት ይየደሉ ኣሎ።

Delegation pic 2

ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ናብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መራሕቲ መንግስታትን ፓርትታትን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝለኣኾ መዘክራትን ዝገበሮ ብጽሖታትን ማእለያ ዘይብሉ ኢዩ። ንመርኣያ ዝኣክል፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ብቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ሰዲህኤ ዝተጻሕፉ መዘክራት ዘርእዩ መላግቦ ንኣንበብቲ ከቕርብ እፈቱ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

3 ሚያዝያ 2018

To read the text copy the link and paste it in a new browser

file:///C:/Users/admin/Desktop/1%20Eritrean%20Memo%20to%20EU%20High%20Rep%20%20%20Mogherini.pdf

file:///C:/Users/admin/AppData/Local/Microsoft/Windows/INetCache/Content.Outlook/U5ZZTVXL/2%20EPDP%20Urges%20AU%20to%20Discuss%20Consequences%20of%20Eritrea's%20Self-Imposed%20Isolation.pdf

file:///C:/Users/admin/AppData/Local/Microsoft/Windows/INetCache/Content.Outlook/U5ZZTVXL/3%20EPDP%20Appeals%20to%20Rwanda%20about%20Refugees.pdf

file:///C:/Users/admin/AppData/Local/Microsoft/Windows/INetCache/Content.Outlook/U5ZZTVXL/4%20EPDP%20Message%20to%205th%20AU-EU%20Summit%20in%20Abidjan.pdf

Last modified on Tuesday, 03 April 2018 13:34