መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ) ብሕማም ምኽንያት ብ26 መጋቢት 2018 ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። መስዋእቲ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ዝእመነሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መምህር ኢብራሂም ቅኑዕን ዘይፈላልን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድምን ዕጉስን ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ራሕሱ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ