Print this page

ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ 1ይ ናይ 2018 ኣኼብኡ ኣካይዱ

2018-03-07 21:08:04 Written by  ቤ.ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2496 times
Rate this item
(0 votes)

ዕለት 4 መጋቢት 2018፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2018 መጀመርያ ስሩዕ ኣኼብኡ ብምክያድ ናይ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ጸብጻባት መዚኑ፤ ናይ ዝመጽእ መድረኽ መደባት ከኣ ኣጻፊፉ። ኣብ ኣኼባ ንሸውዓተ ቦታውያን ሽማግለታት ዝወከሉ (ማለት ንካናዳን ሕቡራት ሃገራትን ሓደ ኣካል ቈጺርካ) ተሳተፍቲ ብምልኣት ተረኺቦም። ነፍስ-ወከፍ ቦታዊ ሽማግለ ኣብ ኣኼባታት ምምሕዳራዊ (ኣህጉራዊ) ሽማግለ ብክልተ ሰባት ኢዩ ዝውከል።

 

ኣኼባ ንሓፈሻዊ ኲነታት ሰዲህኤን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃለዋት ደንበ ተቓውሞን ድሕሪ ምምዛን፡ ነቲ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ዝሓለፈ መደረኽ ጸብጻብ ተቐቢሉ። ቀጺሉ'ውን ጸብጻባት ቦታውያን ሽማግለታት ቀሪቡ። ኵለን ቦታውያን ሽማግለታት ንኣገዳሲ ሰልፋዊ ጽሑፋትን መጽሔታዊ ሕታማትን ብግቡእ ኣብ ምዝርጋሕ ዕዉት ንጥፈታት ከም ዘካየዳ ተሓቢሩ። ብሓፈሻ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ዝገብሮ ዘሎ ዘተባብዕ ንጥፈታት እናደንፍዐ ክቕጽል ንቓልሲ ደንበ ተቓውሞ ጠቓሚ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።

News Item 07.03.2018 Foreign Office

 

ኣብ ናይ 2017-2018 መደብ ዕዩ ተጠቒሱ ከም ዝጸንሐ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ንህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝያዳ ከበርኻ ትጽቢት ሰዲህኤ ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብዚ ምንቃል፡ ነፍስ-ወከፍ ናይ ዞባ ሽማግለ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዞባታትን ጨንፈራትን ሰልፊ ብምትሕብባር ክትግገብሮ ዘሎዋ ስራሓት ነዚ ዝስዕብ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ማለት፡-

  1. ነፍስ-ወከፍ ሽማግለ ንዕላማታት ሰዲህኤን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራንኣብቲ ናይ እትርከቦ ሃገር መንግስትን ትካላትን ህዝብን (ኣባላት ባይቶን) ንምልላይ ዝያዳ ንጥፈታት ክትገብር
  2. ነፍስ-ወከፍ ቦታዊት ሽማግለ ነቲ ዘሎዋ ኣድራሻታት (data base/ ዝያዳ ተማዕብሎ፣ ጽሑፋት ሰልፊ ከኣ ብንጡፍ ኣገባብ ናብ ኩሉ ትካላት ይመሓላለፍ። ኣውራ ከኣ ናብ፡-

-    ኣገዳሲ ኤምባስታት (ብምርጫ ንኡስ ሽማግለ እተዳለወ)፤

-    ምኒስትሪታት ወጻኢ ጒዳይ፤ ውሽጣዊ ጒዳይ፤ ምኒስትሪ ዜና፤ ጸጥታ፤

-    ፓለቲካዊ ሰልፍታትን ኣገደስቲ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ሃገርን (ከም ኲነታቱ)፤

-    ቀይሕ መስቀል/ቀይሕ ወርሒ፤ ከምኡ ከኣ ካልእ ናይቲ ሃገር ልሉያት ዘይመንግስታውያን ትካላት፤ ዩኒቨርሲታት ወዘተ…

-    ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈታት፤

-    ዞባውያን ትካላት ንኣብነት

-    ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት

-    ኤርትራዊ ውድባትን ማሕበራትን፤

-    ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት።

  1. እቲ ዕማማት ዝትግበር፡ ምስ ዝምልከቶም ብኣካል እናተራኸብካን ጽሑፋት እናኣመሓላለፍካን ይኸውን።
  2. ንጻውዒት ሓባራዊ ስራሕ ሰልፊ ንምዕዋት፡ ቦታውያን ሽማግለታት ምስ እትርከቦ ጨንፈራት ሰልፊ ብምትሕብባር፡ ምስ ካልኦት ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ኰይና ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከተዕውቱ ምጽዓር ዝብል እተመሓየሸ መደባት ኣብዚ ናይ 4 መጋቢት ኣኼባ ጸዲቑ።

    

Last modified on Saturday, 10 March 2018 10:47