ዕለት 4 መጋቢት 2018፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2018 መጀመርያ ስሩዕ ኣኼብኡ ብምክያድ ናይ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ጸብጻባት መዚኑ፤ ናይ ዝመጽእ መድረኽ መደባት ከኣ ኣጻፊፉ። ኣብ ኣኼባ ንሸውዓተ ቦታውያን ሽማግለታት ዝወከሉ (ማለት ንካናዳን ሕቡራት ሃገራትን ሓደ ኣካል ቈጺርካ) ተሳተፍቲ ብምልኣት ተረኺቦም። ነፍስ-ወከፍ ቦታዊ ሽማግለ ኣብ ኣኼባታት ምምሕዳራዊ (ኣህጉራዊ) ሽማግለ ብክልተ ሰባት ኢዩ ዝውከል።
ኣኼባ ንሓፈሻዊ ኲነታት ሰዲህኤን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃለዋት ደንበ ተቓውሞን ድሕሪ ምምዛን፡ ነቲ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ዝሓለፈ መደረኽ ጸብጻብ ተቐቢሉ። ቀጺሉ'ውን ጸብጻባት ቦታውያን ሽማግለታት ቀሪቡ። ኵለን ቦታውያን ሽማግለታት ንኣገዳሲ ሰልፋዊ ጽሑፋትን መጽሔታዊ ሕታማትን ብግቡእ ኣብ ምዝርጋሕ ዕዉት ንጥፈታት ከም ዘካየዳ ተሓቢሩ። ብሓፈሻ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ዝገብሮ ዘሎ ዘተባብዕ ንጥፈታት እናደንፍዐ ክቕጽል ንቓልሲ ደንበ ተቓውሞ ጠቓሚ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።
ኣብ ናይ 2017-2018 መደብ ዕዩ ተጠቒሱ ከም ዝጸንሐ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ንህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝያዳ ከበርኻ ትጽቢት ሰዲህኤ ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብዚ ምንቃል፡ ነፍስ-ወከፍ ናይ ዞባ ሽማግለ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዞባታትን ጨንፈራትን ሰልፊ ብምትሕብባር ክትግገብሮ ዘሎዋ ስራሓት ነዚ ዝስዕብ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ማለት፡-
- ኣገዳሲ ኤምባስታት (ብምርጫ ንኡስ ሽማግለ እተዳለወ)፤
- ምኒስትሪታት ወጻኢ ጒዳይ፤ ውሽጣዊ ጒዳይ፤ ምኒስትሪ ዜና፤ ጸጥታ፤
- ፓለቲካዊ ሰልፍታትን ኣገደስቲ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ሃገርን (ከም ኲነታቱ)፤
- ቀይሕ መስቀል/ቀይሕ ወርሒ፤ ከምኡ ከኣ ካልእ ናይቲ ሃገር ልሉያት ዘይመንግስታውያን ትካላት፤ ዩኒቨርሲታት ወዘተ…
- ናይ ሕቡራት መንግስታት፣ ቤት ጽሕፈታት፤
- ዞባውያን ትካላት ንኣብነት
- ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት
- ኤርትራዊ ውድባትን ማሕበራትን፤
- ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት።