Print this page

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ብዛዕባ ምሕዳስ ሰልፊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ Featured

2018-03-05 16:58:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in EPDP News Read 3362 times
Rate this item
(0 votes)
ቀዳም 3 መጋቢት 2018 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ነቲ ብማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ንምትግባር ሰፊሕ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብዘቕረቦ መግለጺ ህልዊ ኩነታት ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራን ዞናናን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ሰ.ድ.ህ.ኤ. እዩ ተኸፊቱ። ቀጺሉ ሓው ፍስሃየ ሓጎስ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኣጀንዳ ማለት ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ሓው ፍስሃየ ሓጎስ እቲ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ኣምር እንታይ ማለት ምዃኑን ስለምታይ ይድለን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ይኹን ዘይፖሊቲካዊ ትካላት ቀንዲ ኣዐዋቲ መሳርሒ ምዃኑ ኣብሪሁ። መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ብጽፈት ክኸይድ ድማ ቅድሚ ኹሉ ተመኩሮ ብግቡእ ምምዛንን ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ምልላይን ከምዘድሊ ኣረዲኡ። ድሕሪ’ዚ እቲ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ሰልፍና ዝብል ብመጽናዕቲ ዝቐረበ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ኣኼባ ንምይይጥ ተኸፊቱ፡ ኣባላት ሓደ ድሕሪ ሓደ ባይቶ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ናይ ስራሕ መደብ ሓንጺጹ ምብጋሱ ዘሐጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ’ቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ዘለዎም ርእይቶን ተወሳኺ ነጥብታትን ኣቕሪቦም። ኣኼባ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎን መንፈስ ኣባላት ዘሐደስን ኮይኑ ተዛዚሙ። ክንዕወት ኢና! ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት! ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
Last modified on Monday, 05 March 2018 18:08