Print this page

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣብ መመያየጢ መድረኽ (paltalk room) መእተዊ ቃል ኣቕሪቡ

2018-02-11 18:13:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3580 times
Rate this item
(0 votes)

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ10 ለካቲት 2018 ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ዝተዳለወ’ሞ ስርሑ ንክጅምር ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ  መድረኽ ፓልቶክ (EPDP youth corner) ብወግዒ ስራሕ ኣጀሚሩ። ኣብዚ መእተዊ ቃሉ ነቶም እዚ መድረኽ ተኸፊቱ ስራሕ ንክጅመር ዝጸዓቱን ናይቲ መኽፈቲ ዕዱም ጋሻ ኣቶ ዓብደራሕማን ኣሰይድን ኣመስጊኑ። ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ናይቲ መድረኽ ሕግን ስርዓትን ምኽታልን ኣብቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ምትኳርን ዘለዎ ኣገዳስነት ድማ ኣብሪሁ።

ብጻይ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ብወገኑ  ናብ ምኽፋት እቲ መድረኽ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ ዕላማ እቲ መድረኽ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ይኹኑ ኣይኹኑ ቦታኦም ኣብዚ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምሕያልን ምስፋሕን ምዃኑ ጠቒሱ ሓቢሮም ንኸህብትምዎ ጸዊዑ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ንዕዱም ጋሻን  ኣብዚ መኽፈቲ ሃናጽን መተባብዕን ሓሳባት ንዝሃቡን ኣመስጊኑ።

ናይቲ ዕለት ዕዱም ጋሻ ኣቶ ዓብደራሕማን ኣሰይድ (ኣቡሃሽም) “ክስተት ጀኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መበገሲ መርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ፡ ናይዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዕዱም ብምዃኑ ሓጐስ ከም ዝስመዖ ጠቒሱ፡ ሰዲህኤ ነቲ ብውሽጥን ግዳምን ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን ዕንቅፋታት ከከም ኣመጻጽኣኡ እንዳመከተ የካይዶ ንዘሎ ቃልሲ ንኢዱ። ኣተሓሒዙ ድማ፡ ጂኦ-ፖለቲካ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ህልዊ ኩነታት ከባቢ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ታሪኽ፡ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ህልዊ ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ጽልዋን፡ ተጽዕኖ ፈለግ ኒል/ናይል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ … ወዘተ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብዚ ሓያሎ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ንዕዱም ጋሻ ብምምስጋንን ኣብ ቀጻሊ’ውን ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ መድረኽ ሓሳቡን ርእይትኡን ንኸይፍለዮም ብምዝኽካር ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ካብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብል ከባቢ ዘጠቓልለን ሃገራት ብዓል መን እየን?፡ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ናይል (ኣባይ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ኩነታት ናበይ ክምዕብል እዩ፡ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊኸ ከመይ ይረኣ? ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንኩነታት ኤርትራ ብከመይ ክጸልዎ እዩ? ውግእ የመንን ናይተን ኣብቲ ውግእ ተሳቲፈን ዘለዋ ሃገራት ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ምስፋርን ተጽዕኖኡ ክሳብ ክንደይ እዩ?፡ ንሕና ኤርትራውያን ከ ሃገርናን ህዝብናን ካብ ናይ ኢድ-ኣዙር ውግእ ንምድሓን  እንታይ ክንገብር ይግበኣና?” … ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣቶ ዓብደራሕማን ንነፍሲ ወክፍ ሕቶ ብሩህ መልሲ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ንንጹር መብርህታትን ምቕሉል ኣቀራርባን ጋሻ ኣመጒሶም እቲ ሓሳባት ኣፍልጦኻ ኣብ ህልዊ ኩነታት ከባቢና ክብ ዘብል ምንብሩ ምስ ሓበሩ ንኣገዳስነት ቀጻልነት ከምዚ ዓይነት መድረኻት ከኣ ጸዊዖም።

Last modified on Sunday, 11 February 2018 19:22