Print this page

ነባር ተቓላሳይ ናብ ነባራት ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሰላምታ የቕርብ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት 2018 ሰናት ትምኒቱ ይገልጽ

2018-02-06 18:33:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3803 times
Rate this item
(0 votes)

ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡ ቃልሲ ከኣ ቀጽሉ ምኽንያቱ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየለ” እዚ ካብቲ ነባርን ዝተኸብረን ናይ ነጻነት ተቓላሳይ ኣብራሂም መሓመድ ዓሊ ናብ ናይ ቀደም ብጾቱን ናብዞም ናይዚ እዋንዚ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉን  ዘመሓላለፎ ሓያል መእኽቲ እዩ። 

ኣብዚ ምስኡ ኣብ 5 ለካቲት 2018 ካብቲ ዘለዎ ፖርት ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ብልቢ ይከታተሎ ከም ዘሎ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ዝኾነ ተቓላሳይ ካብዚ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ከይስልኪ ኣትሪሩ ኣተባቢዑ። ምኽንያቱ ድሕሪቲ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ’ውን ቅኑዕ ምምሕዳርን ፍትሕን ይጽበ ስለ ዘሎ።

ብዛዕባቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብጾቱ ብዝነበሩ ብትግርኛ ዝተሓትመት መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ኣበርክተኦም ኣዝዩ ክቡርን ዋጋ ዘለዎን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ  ንክረጋገጽ ዝተነጽፈ መሰረት ከም ታሪኽ ክምዝገብ ኣዝዩ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ኢሉ።

ኢብራሂም ጉዳይ ጥዕንኡ ኣብዚ እዋንዚ ክጻወሮ ዝኽእል ምዃኑ፡ እንተኾነ ኣብ ጐደናታት ናይታ ግዜ ንእስነቱ ዘሕለፈላን ሕጂ ዝነበረላ ዘሎን ከተማ ፖርትሱዳን ከም ድላዩ ክዛወር ኣይከኣለን።

Veteran Patriot Salutes Old Colleagues IMA

ቀዳማይ ስእሊ 2001፡ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ሓረስታይ፡ ናይ ሎሚ ኣቦመንበር ሰዲህኤ መንግስተኣብ ኣስመሮምን መዓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ 2013 ኣብ ከሰላ ዝተጨውየን ዝትሳተፍዎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ እንዳመረሐ የርኢ። ካለኣይ ስእሊ 2018 ድማ፡ ኣብቲ 6ይን ንተሓኤ-ሰባ ናብ ሰልፊ ዘሰጋገረን ጉባአ እንዳድመጸ የርኢ።

ነቶም ብዛዕባኡ እንፈልጥ ኢብራህም መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ ቃልሲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ተሳቲፉ። ደሓር ካብ 1975 ክሳብ 1981 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕሪ እዚ ተሓኤ ኣብ 1981 ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ተሳዒራ፡ ምፍንጫላት ምስ ኣጋጠመ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ካብ ዝሃነጹ ሓደ እዩ። ካብ 1995 ክሳብ 2001 ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሑ። ካብ 2002 ክሳብ 2008 ድማ ናይ ተሓኤ-ሰባ ኣፈባይቶ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ 1999 ካብቶም ኣብ ምፍጣር ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓብይ ግደን ኣበርክቶን ዝነበሮም ሓደ እዩ። ነቲ ምሕዝነት ከኣ ካብ 2000 ክሳብ 2001 መሪሕዎ። ኢብራሂም ዋላ’ኳ ካብ 2005 ንደሓር ናይ ጥዕና ጸገም እንተኣጋጠሞ፡ ማዕዳኡን ምኽሩን ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ክሳብዚ ሕጂ ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ዝገብሮ ዘሎ ኣየቋረጸን።

 

Last modified on Tuesday, 06 February 2018 19:43