Print this page

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-01-30 22:33:06 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2816 times
Rate this item
(0 votes)

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ንመጎዓዝያ ምእንቲ ክምችእ ኣብ ክልተ ቦታ፡ ማለት ኣብ ካስል ብዕለት 23 ጥሪ ኣብ ፍራንክፎርት ድማ ብዕለት 28 ጥሪ 2018 ወርሓዊ ኣኼባታት ኣካይዱ። እዚ ኣኼባታት‘ዚ ፈላሚ ኣኼባ ናይ 2018 ብምዃኑ፡ ብኣቦመንበር ጨንፈር ብሰላምታን እንቋዕ ናብ 2018 ብሰላም ኣብጽሓና ዓመተ ሰላምን ጥዕናን ዓወትን ድማ ይግበረልና ብምባል ብናይ ጽቡቕ ምንዮትን ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ኣጀንዳታት ተኣትዩ። ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ዝነበሩ ተመሳሰልቲ ኣጀንዳታት ድማ፡-

1 - እዋናዊ ሓደሬታታት ሰልፍናን፡ ሃገርናን፡ ዞባናን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን፤

2 - ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋታት፤

3 - ስርዓት ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥርታትን ኢደ-ወነናዊ ስጉምትታትን፤ ዝብሉ ኔሮም።

እቶም ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ኣኼበኛታት ተዘራሪቦሙሎም። ድሕሪ‘ቲ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፡ ኣብቲ ካልኣይን ሳልሳይን  ኣጀንዳታት ስፍሕ ዝበለ ምርድዳእ ተኻይዱ። እዚ ከኣ መላኺ ኢሳያስ ንስልጣኑ ንምንዋሕን ንግዝያዊ ረብሓኡን ክብል፡ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኢድ እናኣእተወ፡ ንመሬትን ማያትን ኤርትራ መተሃላለኽን ዓውደ-ውግእን ንምቕያሩ ዘይሓላፍነታውን ኢደ ወነናውን ስጉምትታት ዝወስዶ ዘሎ ብምዅናን፡ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ሽግር ድማ ሓላፍነቱ ባዕሉ ዝስከሞ ምዃኑን ኣኼበኛታት ኣስሚሮሙሎም።

ከምቲ ግቡእ እቲ ንመላእ ህዝቢ ዝምልከት ጉዳያት ከም ሃገራዊ ቅዋም፡ ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ (ባንዴራ)፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ሃገራዊ ባጤራ፡ ጉዳይ መሬት ወዘተ… ፥ ብሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ‘ውን መራሒ ይኹን ብሔር፡ ክውሰኑ ዘይግብኦም እዮም። ኢሳያስ ኣፎርቂ ግን ብግስ ከይበለ ጀሚሩ ኩሎም እዞም ዝጠቐስናዮምን ካልኦትን ብኢደወነኑ እናወሰኖም ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ንሓድነት ህዝቢ ዝዘርግን ንልኡላውነት ሃገር ዝደናደንን፡ ዜሩ ዜሩ ድማ ንሃገር ዘጽንትን ዘብርስን እዩ ዝኸውን። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ኣኼበኛታት፡ ነዚ ጉዳይ‘ዚ ህዝቢ ክነቕሓሉን ይኣክል ክብልን መጸዋዕታኡ የቕርብ።

ደምበ ተቓውሞ‘ውን እንተኾነ፡ ነዚ ጸገማት እዚ ንምእላይ ብቐዳምነት እቲ ዘሎ ስርዓት ካብ ሱሩ ተማሕዩ ከልግስ ስለ ዝግባእ፤ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ካልኣዊ ቦታ ኣትሒዞም፡ ነቲ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ክፍጸም ዝግብኦ ጉዳያትን ሕጂ ዝጥለብ ዘሎ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘሎዎ ጉዳያትን ኣለልዮም፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ተወሃሂዶም ክሰርሑ ኣኼበኛታት ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም።

ኣኼባ ካስሰል ንክልተ ሰዓት ኣኼባ ፍራንክፎርት ድማ ንሰለስተ ሰዓት ዝወሰዱ ኔሮም። ኣኼባታት ድማ ብጽቡቕ ምርድዳእ ተደምዲሞም።

Last modified on Tuesday, 30 January 2018 23:38