ናይ ኤምባሲ ኤርትራ ዝለዓለ ተጸዋዒ ኣብ ሆላንድ ተባሪሩ

2018-01-17 20:17:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2998 times

ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስደተኛታትን ትውልዲ ኤርትራውያንን ዘካይዶ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝእክቦ ናይ “ዳያስፖራ ግብሪ” (2%) ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡  ናይ ኤምባሲ ኤርትራ ዝለዓለ ተጸዋዒ (charge d'affaires) ካብ ሆላንድ ክባረር ካቢነ ሆላንድ ወሲኑ።

 

“ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ክካየድ ዝጸንሐ ን2% ግብሪ ምኽፋል ዝምልከት ቀጻሊ ምፍርራሕን ምግዳድን ከም ሳዕቤኑ ዝተኸስተ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይቅሱን ኵነታትን፡ ካቢነ ሆላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓያል መልእኽቲ ከመሓላልፈሉ ተገዲዱ ኢዩ” ኢሉ፡ ኣቶ ሃልበ ሲልስትራ፡ ሓላፊ ወጻኢ ጕዳያት ሆላንድ።

Halbe sjlstra

ሚንስተር ወጻኢ ጕዳያት ሆላንድ፡ ኣቶ ሃልበ ስልስትራ

 

ስለ’ዚ፡ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ካብ ሆላንድ ክወጽእ ከምዝተወሰነ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ ሲልስትራ ንፓርላማ ሆላንድ ሓቢሩ።

 

ኣቶ ተኸስተ፡ ብዛዕባ’ዚ ውሳኔ’ዚ፡ ውግዓዊ መልእኽቲ ከምዝተዋህቦ፡ እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ምሕባር፣ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ኣብ ሆላንድ ሳሕቲ ኢዩ ዝውሰድ ኢሉ።

 

እዚ ስጕምቲ’ዚ ዝውሰድ ዘሎ ድሕር’ቲ መንግስቲ ሆላንድ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ብራሰልስ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጋባብ ኣተኣኻኽባ 2% ግብሪ መጠንቀቕታ ምሃቡ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ንኣሰራርሓኡ ምቕያሩ ዘመልክት ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ኣይወሰደን።

 

እዚ ስጕምቲ’ዚ ግን ምዕጻው ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሀግ ማለት ኣይኰነን ኢኡ እቲ ሆላንዳዊ በዓል ስልጣን።

 

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ሆላንድ ካብ ዝተቐበለቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ሱርያውያን ከይኖም ድሕሪኦም ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኢዮም ።

Last modified on Wednesday, 17 January 2018 21:58