Print this page

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባቲ ኣብ መስከረም ዝወጸ መደናገሪ ዛዕባ መብርሂ ሂቡ

2018-01-17 15:03:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2627 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣገዳስነቱ ብምርኣይ፡ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ብ12 ጥሪ 2018 “መግለጺ ሰዲህኤ” ብዝብል ዝውጸ  መግለጺ ዝምልከት “መንዩ  ውድብ”  ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝብል  ህዝቢ ንከየጋጊ መብርሂ ኣውጺኡ።

እቲ ብ15 ጥሪ 2018 ዝወጸ ሓጺርን ንጹርን መግለጺ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡  ኣብቲ ህዝቢ ከይደናገር  ዝሃቦ መብርሂ እቲ ኣብ መስከረም ዝወጸ መግለጽን ዋናታቱን ብስም ሰዲህኤ ክዛራቡን ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱን ዝኾነይኹን ሕጋውነት ከምዘየብሎም ኣነጺሩ።

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብዚ መብርሂኡ፡ ኤርትራውያን ኣንጻር ጥሕስት ዲሞክራስያዊ መስርሕን ውሳነታትን ክቖሙን  ጥሕሰት ርዱእ ስነምግባርን ሕጋዊ ቀጥዕን ክቃወሙን ጸዊዑ።

Last modified on Wednesday, 17 January 2018 16:08