Print this page

ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤ.ጽ ሰዲህኤ ሜላ ኣፈጻጽማ መደባት ሓንጺጹ

2017-12-10 21:09:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3443 times
Rate this item
(0 votes)

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝርከቡ ወከልቱ ኣብ ዝተሳተፍዎ ብመሪሕነት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤ (ደጊጋ)፡ ብ9 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ናይ መደባት ኣተገባብራ ሜላታት ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ኣብዚ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ መእተዊ ቃል ምስ ኣስመዐ፡  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ናይ ዘለዋ ጨንፈራትን ንኡስ ዞባታትን ዞባታትን ሰዲህኤ ምንቅስቓስን ሃለዋትን ብዝምልከት ብወከልቲ  ጸብጻባት ሰሚዑ። ድሕሪ እዚ ኣብዚ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣቐዲሙ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝጸደቐ ዓመታዊ መደባትን መደብ ምሕዳስ ሰልፍን ተመስሪቱ በብመዳዩ ንኣፈጻጽማ ብዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ንድፊ ኣፈጻጽማ ተመያይጡን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያት ብምግባርን ኣጽዲቑ።

ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት  ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሎምን ሜላ ኣተገባብራ ዝሓንጸጸሎምን ዛዕባታት፡ ምምሕዳራዊ፡ ምልመላን ምንቕቓሕን፡ ምድልዳል ስርርዕን ምስፋሕ ኣባልነትን፡ ኣርካይቭን ስነዳን፡  ሰሰን ሰብኣዊ ምንጭን ምስራዕ ቀጻሊ ኣኼባ ኣባላትን ምንጣፍ ኣብ ስረሓት ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞን ዝብሉ ይርከብዎም። እዚኣቶም እቶ ቀንዲ ጉዳያት ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ዝሰፈሩ ዝርዝር ሜላታት ኣለዉዎም። እቲ ኣኼባ ሜላታት ምጽዳቕ ጥራይ ዘይኮነ ስረሓት ንምቅልጣፍን ኣድላይነት ተሓታትነት ንምትብባዕን ነፍሲ ወከፍ መደብ ዘተግብሩን ዝከታተሉን ኣባላት መዲቡ።

ኣብዚ ኣኼባ እቲ መደባት ንክዕወት ተሳትፎ ሓፋሽ ኣባላት ሰልፊ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ኣብ ቀጻሊ ምስ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ቀጻሊ ርክባት ከም ዝግበር መዲቡ ኣሎ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተጀሚሩ ዘሎ ምስ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ምሓዙት ውድባት ኣብ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት ሓቢርካ ምንቅስቓስ ኣተባቢዑ እዚ ኣብ ኩሉ ከባቢ ንክካየድ ክጽዕት ምዃኑ እውን ኣስፊሩ።

Last modified on Sunday, 10 December 2017 22:14