Print this page

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

2017-11-15 11:59:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3280 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምምሕዳር ዝወደቦ ሰላማዊ ሰልፊ ብ15 ሕዳር 2017 ተኻይዱ። እዚ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ ኣባላትን መራሕትን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ነቲ ተመሃሮን ወለድን ቤት ድያእ ኣልእስላምያ ኣስመራ ንተግባራት ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝድግፍ ሰልፊ ንግሆ ካብ ገነት ሆቴል እዩ ተበጊሱ።

ኣብዚ ሰልፊ ናይቶም ብስርዓት ህግደፍ መሰሎም ተጋሂሱ ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቲ እምነት ምስልምናን ክርስትናን  ምስሊ ብሓባር ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ተታሒዙ፡ ዝተፈላለዩ ጭረሖታት ከኣ ተቓሊሖም። ካብቲ ዝተቓለሐ ጭረሖታት “ኣስላምና ክርስትያና ኩልና ሓደ፡ እምነትን ትምህርትን መሰል እዩ፡ ንተበግሶ ተመሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ  ድያእ ኣልእስላምያ ንድግፍ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ሕብረተሰብዓለም ንህግደፍ የዕግሶ… ወዘተ” ዝብሉ ይርከብዎ።

ሰልፊ ዝተፈላለዩ ጭረሖታት እንዳቃልሐ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት  ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ በጸሓ፡ ናይቲ ሕብረት ሓለፍቲ ኣብቲ ሰልፊ ቀሪቦም’ኳ መልሲ እንተዘይሃቡ፡ ነቲ ብደረጃ ጽሑፍ ተዳልዩ ዝነበረ መልእኽቲ ግና ተቐቢለምዎ። እቲ በቶም ነቲ ሰልፊ ዝወደቡ ኣካላት ዝተዳለወ’ሞ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ ጽሑፍ፡ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኤርትራውያን ሰልፈኛታት ንምዝራብ ፈቓደኛ ዘይኮኑ ዘለዉ ንራበዓይ ግዜኦም ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ እቲ ሕብረት ንሕግታቱን ቻርተራቱን ዘየኽብርን ንወጻዕቲ ዘተባብዕን ምዃኑ ዝሕብር’ዩ ሓሳብ ኣስፊሩ። ካብዚ ናይ ስቕ ኣካይዳ ንክወጹ ድማ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ጭረሖታትን ኤርትራዊ ዜማታትን ብምስማዕ ብሰላም ነናብ ቦታኦም ተፋንዮም

Last modified on Wednesday, 15 November 2017 13:07