Print this page

መግለጺ መሪር ሓዘን

2017-10-17 09:51:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4440 times
Rate this item
(2 votes)

ጅግና ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ኣብ 1974 .ኢዩ ብንእስነቱ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።

 

ተሓኤ ተደፊኣ ናብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ይሰርሕ ነይሩ። ዋላ ኣብ ሃገር ስደት እንተዀነ እውን ንሓንቲ ህሞት ትኹን ካብ ቃልሲ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስውእ ኪሮስ። ቅድም ክብል ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሒሩ ድማ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኰይኑ እናተቓለሰ እንከሎ ኢዩ: ትማሊ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ብሃንደበታዊ ሕማም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዊኡ። ስውእ ኪሮስ ወልደኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ኪሮስ ወልደኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ብመላኦም ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበለ፡ ናይ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

17 ጥቅምቲ 2017

Last modified on Tuesday, 17 October 2017 11:58