ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ።እቲ ጉባኤ ምምሕዳር ሽማግለታት ሰለስቲኡ ጨናፍርን ብጨናፍሮምዝተወከሉ ኣባላት ጨናፍርን ኢዮም ተኻፊሎሞ። ብዘይካዚ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ንስራሓት ጨናፍር ኣብ ምጽፋፍን ንብረት ሰልፊ ኣብምክትታልን ንምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ትካል ቁጽጽርን እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ ነይሩ።
ኣብዚ ንሳልሳይ ግዝይኡ ዝሰላሰል ዘሎ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብምምስጋን፣ ንኡስ ዞባ ሒዝዎም ዝጸንሐ ስራሓትን ቅጥዒ ጉባኤን ብምሕባርን ጉባኤ ንኡስዞባ ጀርመን፤ ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ፤ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ይካየድ ምህላዉ ብዘቕረቦ መኽፈቲ መግለጺ’ዩ፡ ቃል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ንምቕራብ እቲ መድረኽ ንሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኣረኪብዎ። ሓው ኢሳቕ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ነቲ ጉባኤ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ብምቕራብ ሽማግለ ዞባ ተታሓሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዎ ስጥመትን ናይ ሓሳብ ውህደትን፡ በብሃገሩ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝገብሮ ዝገበሮን፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብሪሁ።
ድሕሪ መኽፈቲ መልእክቲ ክልተ ኣቦ መንበራት ትካላት ሰልፊ ምስማዕ ናብቲ መሰረታዊ መደባት ናይቲ ጉባኤ ንምእታው፡
1. ጸብጻባት ጨናፍር
2. ጸብጻብ ተቆጻጻሪ
3. ጸብጻብ ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን
4. ምምራጽ ሰክረታርያ ጉባኤ
5. ምምራጽ ሓዳስ መሪሕነት ንኡስ ዞባን ለበዋታትን ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ ጽሑፍ ንተሳተፍቲ ተዘርግሐ።
ኣብ ቀዳማይ ቅጥዒ ኣባላት ሽማግለ ሰለስቲኤን ጨናፍር ንኣታሃላልዋ ኣባላቶምን ተሳትፍኦም ኣብ ከባቢያዊ ሓባራዊ ዕማማትን ኣበርክታኦምን፡ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታትን ዘመልከተ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕዳራውን ማሕበራውን ጸብጻባት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜን ጀርመን ዝጅመር ንዘሎ ናይ መንእሰያት ስፖርታዊ ምጥርናፋት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት ንነብሶም ካብ ካልእ ኣሉታዊ ኣቕጣጫታት ንከይወስዱ እውን ሓጋዚ ምዃኑን ተሓቢሩ። ኣብዝቐረበ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር ድማ ኣገዳሲ ወኸስታትን ዝርርብን ተኻይዱ፡ ንዝጸንሑ ሕጽረታትን ናይ ስራሕ ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓሳብት ብምቅራብ ድማ ተደምዲሙ።
ክልተ ተቆጻጻርቲ ብግዲኦም፣ ንዝቐረበሎም ገንዘባዊ ጸብጻባትን ኣብ ጉባኤ ዝተዋህበ መግለጺ ጨናፍርን ሓቕታት ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ድምር ናይ ኣሃዛት ዘይኮነስ ብዝተዋህበ ቅጥዒ ዘይምስራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይነበረ መስኪሮም። ሓው ተስፋይ ባይረ ብፍላይ ተሓዝቲ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ጨናፍር ክእለታቶም ኣብ ምኽዕባት ክተሓባበር ከምዝኽእል ድማ ቃል ኣትዩ።
እቲ ንምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ወኪሉ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ዝቐረበ ጸብጻብ እንተኾነ እውን ድምር ናይቲ ብጨናፍር ክማሓላለፍ ዝጸንሐ ጸብጻባትን ኣብ መስኖኣዊ ኣሰራርሓ ዝነበሮ ጉድለታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ክውሰድ ዘለዎ ኣራሚ መንገድታት ዝኣመተ እውን እዩ ነይሩ። ሓው ታደሰ ንኡስ ዞባ ካብ ዝሰርዖም መደባት ሓያሎይ ኣብ ትግባረ ተፈቲኖም እዮም፣ ኩሎም ተዓዊትናሎም ኢና እኳ እንተዘይበልና ድማ፡ ምስ ናይ መጻኢ ዕማማት ኣዋሃሂድካ ትስፉዋት ኢና። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ምምልማልን ኣብ ምምሃርን ብዘይምቁራጽ ብበዓል ሓው ክብሮም ዓንዶም ሒዝናዮ ዘለናን ክንቅጽሎ ዘለና መደብን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እዚ ዕማምዚ ኩለን ትካላትና ኣብ ጀርመን ክዝውትርኦ ከምዝግባእ ጠቂሱ። ብዘይካዚ ይዕበ ይንኣስ ብጨናፍር ንኡስ ዞባ ዝካየዱ ዕማማት ናይ ወረቐት ስራሕ ከሰንዮም ከምዝግባእን፡ እዚ ምስዝበኩር ከምዘይተፈጸሙ ክስገሩ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ፡
ዝያዳ ንምሕያሉ፡ ንዝተራእይ ጉድለታት ድማ ኣራሚ መንገዲ ክታሓዝ ጉባኤ ውሳኒታት ወሲዱ ዝቐረበ ሰነዳት ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናይ መጻኢ ውጥናት ተሊሙ።
ቀጺሉ ንዝቐረቡ ውጥናት እንተተግብርን ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት መደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን እተማእክልን ሓዳስ ምምሕዳር ሽማግለ ንምምራጽ፡ ጉባኤኛታት ካብ ውሽጦም ትሻዓተ ኣባላታ ሕጹያት ኣቕሪቦም፡ ካብዚኣቶም ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ብዘይካዚ ንብረትን ገንዘብን ንኡስ ዞባ ዝቖጻጸርን ዝከታተልን ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ማሕበራት ጀርመን ዝምልእን ሓደ ተቆጻጻሪ መሪጾም።
ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብፍላይ ድማ ምምሕዳር ሽማግለታት ስራሓቶም ኣብ ምጽፋፍን ኣባላቶም ንዘቕርብዎ ሓጋዚ ድልየታትን ንምስላጥን፣ መምርሕን መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ስራሕ ሰልፊ ናብ ታሕተዎት ኣካላት ክቐርብን ዝብሉ ኣገደስትን እዋናውያንን ለበዋታት ቀሪቦም።
ዓወትን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!