Print this page

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 8ይ ምዱብ ኣኼባኡ ዛዚሙ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ

2017-09-20 19:05:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3010 times
Rate this item
(0 votes)

8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 5ይ ክፋልን መወዳእታን ኣኼባኡ ብ17 መስከረም ኣካይዱ ንሰልፊ መጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚት መሪጹ።

እዚ ኣኼባ ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ዝሰርሕሉ መድረኽ ዝፍጠረሉ ኩነታት ዝምልከት ነይሩ። ኣብዚ እቲ ኣኼባ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2017 ብሰዲህኤ እማመ ካብ ዝዝርጋሕ ዝተራእየ ምዕብልና ብዝምልከት ተዘራሪቡ። ኣብዚ ምይይጡ ንመጻኢ እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝተሓዝ ዘመልክት ቀጥዒ ኣውጺኡ፡ እታ ዝተመርጸት ሓዳስ  ፈጻሚት ከኣ ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ንክከታተሎ ሓላፍነት ሂቡ። ብዘይካዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣኼባኡ ካብ ሓባራዊ ሽማግለ ኣብያተ-ጽሕፈት ገንዘባውን ማሕበራውን ኣብ ዝቐረበ መጽናዕቲ ተመያይጡ ኣገዳሲ መምርሕታት ሂቡ። 

ኣብ መወዳእታ ናይዚ 5ይ ክፋል ኣኼባኡ ባይቶ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት መሪጹ። ኣቶ መንግስተኣብ ስመሮም ከኣ ዳግማይ ኣቦመንበር ኮይኑ ምስተመርጸ ሕጹያት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣቕሪቡ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጹይ በብሓደ  ድምጺ ምስ ተዋህበ፡ ኩሎም ሕጹያት ብባይቶ ተቐባልነት ረኺቦም። ካብቶም 9 እቶም ክልተ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኣቶ ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይን ሓደስቲ እዮም። ዝርዝር ናይቶም 9 ብኣቦመንበር ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ጀሚርካ፡ ብቅደም ሰዓብ ፊደል ላቲን፡ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና፡  

EPDP 8th CC Meeting Ends Elects EC 17092017 doc 2 1

ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ፡ እድሪስ እስማዒል ጸሓፊ ፈጻሚት፡ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት፡ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳይ፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን እዮም።

እዚ 8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ቀዳማይን ካለኣይን ክፋላት ኣኼባኡ ኣብ 26ን 27ን ነሃሰ 2017 ከም ዘካየደ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ክፋላትዚ ናይ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለን ካለኦት ኣካላት ሰፍንን ዓመታዊ ጸብጻባት ሰሚዑ ምስ ተመያየጠ  ዘጽዲቑ። ኣብ ናይ 9 መስከረም 2017 3ይ ክፋል ኣኼባኡ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሓደ ኣባል ባልነት ክሳብ መጻኢ ጉባአ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ብምቅዋም ዝተራእየ ዘይሃናጺ ምንቅስቓስ ዝምልከት ጸብጻብ ሰሚዑ ኣገደስቲ ውሳነታት ከኣ ወሲኑ።

ኣብቲ ብ10 መስከረም 2017 ዝተጋብአ 4ይ ክፋል ኣኼባ ከኣ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ንምሕዳስ ሰልፊ ብዝምልት ከተጽነዕ ብዝጸንሐት ሽማግለ ንዝቐረበሉ ሰነድ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ ኣብ ከክልተ ወርሒ ናብ ዝካየድ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ንመስርሕ ምሕዳስ ዝምልከት ጸብጻባታ እተቕርብ ኮሚሽን መዚዙ። ኣብ ርእሲ’ሲ ኣብዚ ክፋል ኣኼባዚ ኣቶ ንዘርኣብሩኽ ገብረታትዮም ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ሰልፊ ክኸውን መሪጽዎ።

Last modified on Wednesday, 20 September 2017 21:15