Print this page

መግለጺ ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2017-09-19 00:37:30 Written by  ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2416 times
Rate this item
(1 Vote)

ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምስረታ ሰልፊ ኣትሒዙ ዝቖመን፣ ገዳይምን ሓደስትን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ዓበይትን መንእሰያትን ዝሓቆፈ፣ ዕላማታት ሰልፊ ንምዕዋትን መደባት ሰልፊ ንምትግባርን ዓቅሙ ዘፍቐዶ ከበርክት ዝጸንሐን ዘሎን ሓደ ካብ ዓንድታት ሰልፊ እዩ። 

ኩልና ኣባላት ናይዚ ጨንፈር እውን ንመትከላት ሰልፊ እንከላኸልን፣ ብመሰረት ዕላማታት ሰልፊ ንረብሓ ህዝብና እንቀሳቐስን፣ ብቅዋምን ካልኦት ሰልፊ ዝወስዶም መርገጺታትን ተማእዚዝና ንጡፍ ተራና እንዓምምን፣ ንፖለቲካዊ ፕሮግራምን፣ ቅዋም ሰልፍን፣ ንዘይገሃስ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ክነኽበር፣ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ንምዕቃብን፣ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብን፣ ካብ ውልቃዊ ረብሓታት ነጻ ብዝኾነ መንገዲ ክንዓምም፣ ከምኡውን ሓድነት ሰልፊ ብግቡእ ንኽሕሎን ኣንጻር ሰልፊ ንዝውርወር ፈናጣሒ ወይ ሓደገኛ ሳዕቤን  ዘለዎ ወስታታት ክንምክትን ጸኒሕናን ኣሎናን። ስለዚ ንሕና ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ሎምውን ከም ትማሊ ነቲ ብመሪሕነትና ዝተወስደ ሕጋዊ ውሳኔታት ኩሉ ንድግፎ፣ ወትሩ ድማ ኣብ ጎኒ ሕጋዊ መርሕነትና ደው ምስበልና ኢና። 

ነዚ መግለጺዚ ክነውጽእ ዝደረኸና ክልተ ምኽንያታት ኮይኑ፣

1ይ፣ ገለ ካብ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር ምስ ገለ ሰዓብቶም ብሽፋን ሓድነት ሰልፊ ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታትን ተግባራት ከካይዱ ጸኒሑም። ኣብ ጉባኤታት ሰልፍና ብድምጺ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ዝጸደቐ፣ ንኹሉ መሰላትናን ግቡኣትናን ዘነጽር፣ ቁዋም እንዳሃለወና፣ ገለ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ውልቀሰባት ብጽሑፋቶምን ብመደረኦምን፣ ኣብ ፈይስቡክ/facebook/, ፓልቶክ paltalk/, መርበብ ሓበረታን web sites, ብምጥቃምን ሕቡእ ምስጢራዊ ኣኼባታት ብምክያድን ነቲ ኣብ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ብሕጋውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት ሰልፊ ከም ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝመሪሕን፣ ዓቅምን ብቅዓትን ዝሓጸሮ መሪሕነትን ገሮም ብምግላጽ፣ ብሰንኪ እዚ መሪሕነትዚ ሓድነት ሰልፊ ኣብ ሓደጋ ወሪዱ ከምዘሎ ከተምብሁ ጸኒሖም። እቲ ካብ ምስጢራዊ ኣኼባታቶም ዝዘዓገ ሓበረታ ዘነጽሮ ሓቅነት እንተሎ ድማ እቲ ብጻይ መስፍን ሓጎስ ከም ምኽሪ ኣምሲሉ እንተ ጥዒሙኩምን እንተ ዘይጠዓመኩምን ቢሉ ቅዲ ሰልፊ ናጽነት ዘለዎ መርዛም ፖሊቲካዊ ውዲታት ከሺኑ ከምዘኾለሶም እዩ።

2ይ፣ ንኣብ 23-25 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዞባ ኤውሮጳ ኮንፈረንስ ዋላኳ ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ኩልና ወይ ብብዝሒ ክንሳተፍ እንተዘይኪኢልና፣ መልእኽትናን ሪኢቶናን ግን በቲ ኣባል ጨንፈርና ብምዃን ወኪልና ዝኾነ፣ ኣባል ፈጻሚት ኣካልን ገርና ምሉእ ሪኢቶና ብጹሑፍ ብምሳዳድ ተሳትፎና ኣረጋጊጽና ኢና። ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ኮንፈረንስውን ኣብ 30 ሚያዝያም 2017 ኣኼባ ብምክያድ ምሉእ ጸብጻብን ሓበረታን ናይቲ ኮንፈረንስ ካብቲ ዝወከልናዮ ኣባልና ሰሚዕና፣ ንኹሉ ናይቲ ኮንፈረንስ ውሳኔታትን ለበዋታትን ምሉእ ብምሉኡ ተቀቢልናዮ፣ ንትግባረኡ እውን ድልውነትና ኣረጋጊጽና ኢና። ክሳብ ገንዘባዊ ወፈያውን ገርና ኢና። እቲ ሓቂ እዚ እንክንሱ ግን ሓደ ኣባል ካብዚ ሓድነት ሰልፊ ብምምኽናይ እንተ ሰሊጥሉ ኣብ መንጎ መርሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ናይ ምፍልላይ ጋግ ክፈጥር ህርድግ ዝብል ዘሎ ጉጅለ፣ ኣብ ሓደ ካብቶም 8ተ ሕቡኣት ምስጢራውያን ኣኼባታቱ፣ ንብኩራት ኣካላዊ ተሳትፎና ጨንፈርና ኣብ ዝተጠቅሰ ኮንፈረንስ ካብ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ዘሎና ዘይዕግበት ዝነቀለ ናይ እምቢታ ስጉምቲ ከምዝኾነ ክገልጽ ተሰሚዑ። እዚ ሓቅነት ዝጎደሎ ኣገላልጻዚ ነቶም ንጨንፈር ኖርወይ ብቀረባ ንዘይፈልጡ ኣደናጊርካ ኣብቲ ኣዕናዊ መደቦም ንምኽሳቦም ዝተገብረ ፍሹል ፈተነ እዩ ነይሩ።

ብወገና ኣብ ዝተጠቅሰ ኮፈረንስ ካብሓደ ሰብ ንላዕሊ ክንውክል ዘይምኽኣልና ብናይ መነባብሮን ስራሕን ምኽንያታት ተዓንቂፍና እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበሮን። ንመሪሕነት ሰልፍና እንተኾነ ግን ከም ሕጋዊ መሪሕነትና ንፈልጦ፣ ብኡ ድማ ንምራሕ። ንመሪሕነት ሰልፍናውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ፈቀዶ ፓልቶካትን፣ ፈይስቡክን፣ መርበብ ሓበረታታትን ብኣካል ቀሪቦም ኮነ ብጽሑፋቶም ንሓድነት ሰልፍና ኣብ ዝሃሲ ወስታታት ተዋፊሩ ኣይረኸብናዮን። ኣብ ክንድኡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንዝተኸስተ ኣሻቃሊ ኩነታት፣ መሪሕነት ሰልፊ ልዝብን ምርድዳእ በዘለዎን፣ ሕጋዊ ብዝኾነን፣ መትከላውነት ብዝተኸተለን ኣገባብ ክፈትሖ እንዳጸዓረ እንከሎ፣ ኣባላት ሽማገለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበርን ገለ ሰዓብቶምን ግን ብዘይዕርፍቲ ፓልቶክ፣ ፈይስቡክ፣ መርበብ ሓበረታታትን ካልእ ኣገባባትን ተጠቂሞም ንደገ ክዘርውዎን ዘይሚዛኑ ከውህብዎን ጸኒሖም።

ካብዚ ግንዛቤዚ ብጉባኤ ሰልፍና ዝተመርጸ መርሕነት ሰልፍና ሕጋዊ መርሕነትና ምዃኑ ደጊምና እዳኣረጋገጽና፣ ኣብ ጎድኒ መሪሕነትና ከምዘሎና ነዘኻኽር። ንኹሉ እቲ መሪሕነት ሰልፊ ዝወሰዶ ውሳኔታትውን ንድግፎን ንቅበልን። ንትግባረኡ ድማ ድልዋት ኢና።

ገለ ኣባላት ሽማገለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበርን ውሑዳት ንጡፋት ሰዓብቶምን ድማ ካብ ጸቢብነት ተገላጊሎም፣ ንድሕነት መላእ ህዝብን ሃገርን ከም ቀንዲ ዕላማ ሰሪዖም ክቃለሱ፣ ንልዕልና ሕጊ ድሚ ብምእዙዝነቶም ነቲ ኣብ ጉባኤና ዝጸደቀ ቁዋምናን ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነትናን ከረጋግጹ ንጽውዕ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!

ጨንፈር ኖርወይ፣ 17 መስከረም 2017

Last modified on Tuesday, 19 September 2017 02:40