Print this page

18 መስከረም፡- መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኲሎም ተጨውዮም ድሃይ ዘጥፍኡ ደቂ ሃገር ኢያ!

2017-09-18 11:46:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2769 times
Rate this item
(1 Vote)

ባሕቲ መስከረም፣ መዓልቲ ናጽነት፣ መዓልቲ ስዉኣት... ካብተን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት-ዓመት ብክብ ዝበለ ክብርን ፍናንን ዝዝክረንን ዘብዕለንን መዓልታት ኢየን።

 

18 መስከረም  ግን ፍሉይ ትርጉምን ስምዒትን ዘሎዋ መዓልቲ ኢያ። ደንበ ተቓወምቲ ምልኪ (ደንበ ደለይቲ ፍትሒ) ብከቢድ ትካዜ እንዝክራ መዓልቲ ኢያ። ድሕሪ ማእሰርቲ ኣባላት ጒጅለ 15ን፡ ምዕጻው ነጻ ጋዜታታትን፡ ጥልማን መብጽዓታት ሰውራናን ባህግታት ህዝብናን ንኹሉ ዜጋ ዝያዳ ግሉጽ ኰይኑ። 

18 Sept Day of Disappeared Eritreans 1

 

ብሓጺሩ፡ 18 መስከረም መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኲሎም እቶም ብኣማእት ዝቝጸሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ብናይ ውሽጢ ጸላኢ ተጨውዮም ድሃይ ዘይመለሱን ብዘይ ፍትሒ እተዳጐኑን ጀጋኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ቀጻሊ ዝኽሪ ይግብኦም። ክሳዕ ፍትሒ ዝረኽቡ ኣብ ጐኖም ከም ዘሎና እነረጋግጸላ መዓልቲ ትኹን።

Last modified on Monday, 18 September 2017 13:56