ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 17 መስከረም 2017 ኣኼባኡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንምልዛብ ብማእከላይ ባይቶ ዝተገብረ መጸዋዕታን ዝተዋህበ መልስታትን ኣብ መጻኢ ክካየድ ዘለዎ መደባትን ተመልኪቱ። ቀጺሉ፡ ካብ ቀዋሚ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ገንዘባውን ማሕበራውን ጕዳያት ዝቐረበ መጽናዕትን ለበዋታትን ሰሚዑ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣቦ መንበርን ሸሞንተ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታትን ዝርከብዎ ፈጻሚ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ደምዳሚ መግለጺ ኣብ ዝስዕብ ቀረባ መዓለታት ክወጽእ ኢዩ።