Print this page

ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ፖለቲካውያን መራሕቲ ናብ ፈስቲቫል 2017 ጀርመን ይመጹ ኣለዉ

2017-08-04 04:41:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4098 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ከምኡ እውን ተሓለቕቲ ደሞክራሲ ሰቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል መልእኽቶም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ናብ ከተማ ፍራንክፈርት ይጐዓዙ ኣለዉ። እዚ ናይ ምይይጥን መልእኽቲ ምሕዝነት መትሕልላፍን መደባት ኣብ 5 ነሃሰ 2017 ካብ ሰዓት 13 ጀሚሩ መደብ ተሰሪዕሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት፡ ናጻ ደሞክራስያዊ ሰልፊን ሓምላይ ሰልፍን፡ ካለኦት ኣቕረብቲ ጽሑፋት ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ሰዲህኤ፡ ኣቶ እድሪስ ሑመድ ካብ ተሓኤን ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ መድረኽን ይርከብዎም።

ኣቦምንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዘቕርቦ ጽሑፍ ኣብ እማመ ሓድነት፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣስተዋጸኦ ንልዝብ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምልምማድ ስደተኛታት ምስ ከባቢኦም ከተኩሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

ካብ ምቕራብ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሽወደናዊ ፕረሲደንት ማሕበር ሽወደን ሰላምን ዕቤትን ቶማስ ማግኑሶን፡ ስዒቡ ቃሎም ዘስምዑ ኤርትራውያን ዕዱማት ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኣንዋር ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣቶ ኣብረሃም ተወልደ ካብ ግንባር ደሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሸ ገብረ ካብ ምትእስሳር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጀርመንን ኣቶ ያቆብ ኣብረሃም ካብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክኾኑ እዮም።

ካልእ ፕሮግራማት ድማ መደባት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መደብ ምዝንጋዕ ወጋሕ ትበል ለይትን ዝርከቦ ክኸውን እዩ።

እዚ ፈስቲቫል ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር እናተወደበ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ  ዮሃን ዎልፍጋንግ ኣብ ከባቢ ቦክሀንሀይመር ቫር ፍራንክፈር ዝካየድ ዓመታዊ መደብ ዩ። መደባት ፈስቲቫል ዓርቢ ሰዓት 16፡ ላዕለዎት ካድራት ሰዲህኤ ኣሕዋት ድራር መንታይን ጐይተኦም መብራህቱን  ብዛዕባ ደሞክራሲ ብመንጽር’ቲ ነርወጃዊ  ትካል ራፍት ንሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዝሃቦ ኣስተምህሮ ብዝቐርብ መደብ ክጅመር እዩ።

 (ምሉእ መደባት ፈስቲቫል 2017 ንምፍላጥ ኣብ  www.harnnet.org ሰፊሩ ኣሎ).

Last modified on Friday, 04 August 2017 08:49