Print this page

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣካይዱ

2017-07-14 01:03:40 Written by  Information Office in North America Published in EPDP News Read 4433 times
Rate this item
(0 votes)

ሰንበት 9 ሓምለ 2017 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ  ኣስመሮም ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ሰሜን ኣሜሪካ  ብቴለ-ኮንፈረንስ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ቀዳም 8 ሓምለ ኣብ ስያትል ዘካየዶ ዕዉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልናታት ብዘርዝር ድሕሪ ምብራህ  ምቛም ናይ ትሽዓተ ዝኣባላታ ናብ ህጹጹ ጉባኤ ዞባ  እተብጽሕ ሽማግለ ሓቢሩ። ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ንጹርን ኣዕጋቢን መልስታት ሂቡሉ።

ኣስናዳኢት ሽማግለ ብወገና ሰኑይ 10 ሓምለ ፈላሚ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ኣብ ሰለስተ ሽማግለታት ብኸምዚ ዝስዕብ ሰሪዓ።  

1)    ናይ ዉደባን ጎሽጓሽን

2)   ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን

3)   ናይ ማሕበራውን ቁጠባውን

ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንምድንፋዕን ተራኡ ንምዕዛዝን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ይርከባ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

12 ሓምለ 2017

Last modified on Friday, 14 July 2017 03:23